6ይ መድረኽ ቱር ቱርኪ
ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝቐጸለ ፕረዚደንሺያል ሳይክሊንግ ቱር ኦፍ ቱርኪ (ዙር ቱርኪ)፡ ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ዳዊት የማነ ሎሚውን ጊዚኡ ዓቂቡ ምስ ቀዳመይቲ ጉጅለ ጸወትኡ ዛዚሙ። ኣዝዩ ዘደንቕ ብቕዓት ዘርኢ ዘሎ ሻምፒዮን ኤርትራ 2021 ዳዊት የማነ፡ ሽም ሃገሩን ኣፍሪቃን የጸውዕ ኣሎ።
201.5 ኪ.ሜ ዝሸፈነ ናይ ሎሚ መዓልቲ ውድድር ኣዝዩ ጎልጎል ዝበዝሖ ጽርጊያ ስለዝነበረ፡ ንናይ ነጥቢ(ቮላታ) ተቐዳደምቲ ክዕወቱ ዕድል ዝህብ ኢዩ ኔሩ። ኣብዚ ናይ ሎሚ 6ይ መድረኽ ቱር ቱርኪ፡ ከም በዓል ንውዚላንዳዊ ቤቪን ፓትሪክ፡ ኣውስትራላውያን ተቐዳደምቲ ቫይን ጄይ ን ኢዋን ካሌብን ካልኦት ቮላቲስታ ክዕወቱ ዓቢይ ግምት ተዋሂብዎም ኢዩ። ድሕሪ 15ኪ.ሜ ዝተዳለወ 1ይ ናይ ነጥቢ ቮላታ፡ ትማሊ ካልኣያ ኮይኑ ዝኣተወ ቤልጂየማዊ ፊሊፐሰን ጃስፐር 1ይ ኮይኑ ክኣቱ’ከሎ፡ ቤቪን ፓትሪክ 2ይ ከምኡውን ታሚናጽ ሊዮነል 3ይ ኮይኖም ተዓዊቶም።
ብድሕሪኡ ኣብ መበል 38.6ኪ.ሜ ዝተዳለወ 2.4 ኪ.ሜ ንውሓት ዘለዎ ናይ ዓቐበት ቮላታ፡ ኣሜሪካዊ ግሪያን ኖህ ተዓዊትሉ። ኣብ ሙቹእ ኩነታት ኣየር (19 ዲ.ሴ) ካብ ከተማ “ኢድረሚት” ዝተበገሱ ተቐዳደምቲ፡ 92.3ኪ.ሜ ምስተጓዕዙ ካልኣይ ናይ ነጥቢ ቮላታ ጌሮም፡ ዩክሬናዊ ሚክሃይሎ ተዓዊቱ።
ኣብ መወዳእታ ህንጻጽ ዝተገብረ ቮላታ፡ ኣውስትራሊያዊ ካሌብ ቀዳማይ፡ ቤልጂየማዊ ጃስፐር ከኣ ካልኣይ ኮይኖም ኣትዮም።
ጽባሕ 7ይ መድረኽ 131 ኪ.ሜ ርሕቐት ዝሽፍን ናይ ዓቐበት ውድድር ክካየድ ኢዩ።
ባርሴሎና ተገሊፋ…
ጀርመናዊት ክለብ ኢንትራክት ፍራንክፈርት ንዓባይ ክለብ ስጳኛ ዝኾነት ባርሴሎና ኣውዲቓ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፋ። ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ርብዒ ፍጻመ ኤውሮጳ ሊግ፡ ናብ ሜዳ ኑካምፕ ከይዳ ጸወታኣ ዘካየደት ኢንትራክት፡ ንባርሴሎና 3 ብ 0 ስዒራታ። ኣብ ቀዳማይ እግሪ ጸወታ ኣብ ሜዳኣ 1 ብ 1 ዝተፈላለየት’ዛ ክለብ፡ ብድምር 4 ብ 3 ዝኾንነ ውጽኢት ተዓዊታ።
ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ-ስፖርት ቡንደስሊጋ መበል ታሽዓይ ኮይና ጸወታኣ ተሰላስል ዘላ ኢንትራክት፡ ኣብ 1980 ነዚ ዋንጫ ወሲዳ ኔራ። ብድሕርዚ ዝሓሸ ዝበሃል ወጽኢት ኣብ ናይ ኤወሮጳ መድረኽ ኣመዝጊባ ዘይትፈልጥ’ዛ ክለብ፡ ትማሊ ናይ ስጳኛ ሒዛቶም ንዝገሸት 30,000 ቲፎዞኣ ጸባ ኣስትያቶም። ካብ ኮቲች 2 ሽቶታትን ካብ ቦሬ ሓንቲ ሽቶ ተሓጊዛ ካሳብ ተወሳኺ ግዜ ንባርሴሎና 3 ብ 0 ክትመርሓ ክኢላ ኔራ። ባርሴሎና ኣብ ተወሳኺ ግዜ ዝረኸበተን 2 ነጻ ቅላዓት ካብ ቡስኬትን ዲፓይን ናብ ሽቶ ቀይራ ነቲ ውጽኢት ናብ 3 ብ 2 ክተጽብቦ ክኢላ ኢያ። ኣብቲ ጸወታ፡ ተኸላኻላይ ኢንትራክት ፍራንክፈርት ኢቫን ኒዲካ ኣብ ልዕሊ ሉክ ዲ ዮንግ ብዝፈጸሞ ጌጋ ኣብ ተወሳኺ ግዜ ብ 2 ቢጫ ካርድ ካብ ሜዳ ተባሪሩ።
ኣብ ካልእ ጸወታታት ኤውሮፕያን ሊግ፥
ሊዮን 0 ፡ ዌስትሃም 3 (ድምር 1 ብ 4)
ኣትላንታ 0 ፡ ኣርቢ ሊዝቢች 2 (1 ብ 3)
ሬንጀርስ 3፡ ብራጋ 1 (3 ብ 0)
ቀዳማይ እግሪ ፍርቂ ፍጻመ ኤውሮጵያን ሊግ ጸወታታት፡ ዕለት 28 ሚያዝያ ዌስትሃም ምስ ኢንትራክት ፍራንክፈርት ከምኡውን ኣርቢ ሊዝቢች ምስ ሬንጀርስ ጸወታአን ከካይዳ እየን።