ሰራዊት ዩክሬን ፡ ኣብ ኲናት ናይ ዝተቐትሉ ሩስያዉያን ወተሃደራት ኣሳእል እንዳቐረጸ ናብ ቤተሰቦም ይልእኽ ምህላዉ ዋሺንግተን ፖስት ሓቢሩ።
ኣብ ሰምሰራ ሓበሬታ ዝነጥፉ ወለንታዉያን ክኢላታት ዝኣባላቱ ኣሃዱ ቴክኖሎጂ-ሓበሬታ ሰራዊት ዩክሬን ፣ ‘ክሊር-ቪዉ ኤይ.ኣይ’ ዝተባህለ ናይ ሓደ ዲጂታዊ ኣመሪካዊ ትካል ኣፕሊኬሽን እንዳተጠቕመ፡ ኣብ ኲናት ናይ ዝተቐትሉን ዝተማረኹን ሩስያዉያን ወተሃደራት መርድእ ናብ ሩስያ ይልእኽ ከምዘሎ እዩ እቲ ሓበሬታ ዘመልክት።
‘ክሊር-ቪዉ ኤይ.ኣይ’ ንፍረ-ገጽ ሰባት ቀሪጹ ዘለሊ ኣፕሊኬሽን ኮይኑ፣ ሰራዊት፡ ፖሊስን ካልኦት ናይ ጸጥታ መሓዉርን ዩክሬን ብዘይገደብ ንኽጥቀምሉ በቲ ኣመሪካዊ ትካል ተፈቒድሎም ከምዘሎ እዩ ዋሺንግተን ፖስት ዝሕብር።
ጠቕላሊ ሓላፊ እቲ ኣመሪካዊ ትካል ዝኾነ ቶን ታት ንዋሺንገትን ፖስት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ትካሉ ንልዕሊ 340 ሓለፍቲን ኣካየድቲን ዝተፈላለያ ኣካለት መንግስቲ ዩክሬን ነቲ ረቂቕ መሳርሒ ኽጥቀምሉ ኣፍቂዱ ከምዘሎ ፣ ንኣጠቓቕማ እቲ ቴክኖሎጂ ብዝምልከት ድማ ካብ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ቀጻሊ ስልጠናታት ይወሃብ ምህላዉ ኣብሪሁ ኣሎ።
እቲ ኣብ ተንቀሳቃሲ ተሌፎን ከይተረፈ ክልጎም ዝኽእል ኣፕሊኬሽን ፡ ክሳብ ብተራ ወተሃደራት ይክሬን ኣብ ጥቕሚ ኣንዳወዓለ ኣብ ፍቀዶም ዉግእ ንዝወድቊን ዝተማረኹን ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ምልላይ ይሕግዝ ምህላዉ እዩ ‘ክሊር-ቪዉ ኤይ.ኣይ’ ዝገልጽ።
ዕላማ ናይቲ ብሰራዊት ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኣሰካፊ ተግባር፡ ኣብ ልዕሊ ስድራቤታት ሩስያ ከቢድ ራዕዲ ፈጢርካ ፡ ህዝቢ ሩስያ ነቲ ህይወት ደቊ ዝወስድ ዘሎ ኲናት ደዉ ኽብል ክጽዉዕ ንምድፍፋእ ከምዝኾነ ዝሕብሩ ምንጭታት፣ እቲ ስጒምቲ በንጻሩ ንሩስያዉያን ዘቘጥዕን መንግስቶም ኣብ ሩስያ ዝገብሮ ዘሎ ወራር ብዘሓየል ንኽጽሎ ከተባብዑ ዝገብርን ከይከዉን ግን ዘለዎም ስግኣት የካፍሉ።
ሰራዊት ዩክሬን፡ መንነት ዝወደቚ ሩስያዉያን ወተሃደራት ንምርግጋጽ፡ በቲ ረቂቕ ቴክኖሎጂ ኣሳእል ናይ ልዕሊ 8,500 ሬሳታትን ምሩኻትን ሩስያ ከምዘልዓለ፣ ዛጊት ስእላዊ መርድእ ናይ 582 ሬሳታት ድማ ብቐጥታ ናብ ስድራቤቶም ከምዝተላኣከ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።