ዙር ቱርኪ 5ይ መድረኽ ትማሊ 14 ሚያዝያ ፣186.1ኪ.ሜ ርሕቀት ብዝሽፈን ውድድር ቀጺሉ ውዒሉ።
እቲ ብንውሓቱ ኣብ 3ይ ደረጃ ዝስራዕ መድረኽ ፡ ጎልጎል ዝበዝሖ ስለዝነበረ ኣብ ናይ ጊዜ ተወዳደርቲ ብዙሕ ለውጢ ክረኣየሉ ዝኽእል ኣይነበረን። ተቐዳደምቲ ቤልጄማዊ ስቶክማን ሚኪኤልን ቱርካዊ ሳምሊ ፈሪካንን ካብታ ዓባይ ጉጅለ ብምህዳም፡ ኣብ ርሕቐት 53ኪ.ሜትር ተቐሪብሎም ንዝነበረ ናይ 10ኪ.ሜ ር ንዉሓት ዘለዎ ናይ ዓቐብ ቮላታ ተዓዊቶምሉ።
ኣብ 118ኪ.ሜ ርሕቐት ተዳልዩ ንዝነበረ ናይ ነጥቢ ቮላታ ኸኣ፡ ሳምሊ ፈሪካንን ስቶክማን ሚኪኤልን ተመራሪሖም ኣትዮም። ነዞም ኣቐዲሞም ሃዲሞም ዝወዓሉ ተጻወቲ፡ 61 ኪ.ሜ ምስተረፎ ዓባይ ጉጅለ ኣርክባቶም ጸወታ ብሓባር ቀጺሉ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝተገብረ ቮላታ፡ ኣዉስትራሊያዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ቲም ዲ.ኤስ.ኤም ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ። ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ክለብ ባይክ ኤይድ ዳዊት የማነ ከኣ ጊዜ ከየጥፈአ መበል 34 ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ዛዚሙ።
ኣብ ዉህሉል ናይ ጊዜ ወድድር ቀዳማይ ኮይኑ ዝመርሕ ዘሎ ኣርጀንቲናዊ ኤድዋርዶ ኢዩ።
ዳዊት 53 ካልኢታት ጥራይ ደንጉዩ ኣብ መበል 7 ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ። መበል 57 ፕረዲዘንሻል ሳይክሊንግ ቱሩ ቱርኪ፡ ሎሚውን ናይዚ ዓመት ብርሕቐቱ ካልኣይ ዝኾነ 201.5ኪ.ሜ ዝሽፍን 6 መድረኽ ወድድር ቀጺሉ ክውዕል ኢዩ።