ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ዳዊት የማነ ዝሳተፎ ዘሎ ዙር ቱርኪ፡ ሎሚ ዉን ብናይ 7ይ መድረኽ ውድድር ቀጺሉ ውዒሉ። 131.3ኪ.ሜ ዝሸፈነ ናይ ሎሚ ውድድር፡ 153 ተቐዳደምቲ ሒዙ ኢዩ ተበጊሱ። ተረርቲ ዓቐበት ዝበዝሖ ናይ ሎሚ ውድድር፡ ተቐዳደምቲ ብ 45.18 ኪ.ሜ ኣብ ሰዓት እና ተሓንበቡ 30.3 ኪ.ሜ ምስተጓዕዙ ኣብ ዝገበርዎ ቀዳማይ ናይ ነጥቢ ቮላታ፡ ካብቶም ኣቐዲሞም ሃዲሞም ዝነበሩ 4 ተቐዳድምቲ፡ ቱርካዊ ሳምሊ ፈሪትካን ተዓዊትሉ። ኣብ ናይ 62.9ኪ.ሜ ርሕቐት ዝተገብረ ናይ ዓቐበት ቮላታ’ኸኣ ካናዳዊ ኒኮላስ 1ይ ኮይኑ ተዓዊቱ።
ጸወታ 30ኪ.ሜ ምስተረፎ፡ ኣብ ናይ ጊዜ 2ይን 3ይ ኮይኖም ዝመርሑ ተቐዳደምቲ ኒውዝላንዳዊ ፔቪን ፓትሪክ ን ኣውስትራሊያዊን ቫይን ጄይን መጥቃዕቲ ጌሮም ሃዲሞም ከይዶም። ድሕሪ 3ኪ.ሜ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ዳዊት የማነን ቤልጂማዊ ተቐዳዳማይ ጃስፐር መጥቃዕቲ ጌሮም ነታ ዓባይ ጉጅለ ራሕሪሖማ’ኳ እንተኸዱ፡ ኣይጸንሑን እታ ዓባይ ክለብ ኣርኪባቶም። ኣብ 107 ኪ.ሜ 2ይ ናይ ዓቐበት ቮላታ፡ ቫይን ጄይ 1ይ ኮይኑ ተዓዊቱ።
15ኪ.ሜ ክተርፎ እንከሎ፡ ኣብ ክልተ ጉጅለ ኮይኖም ብ 30 ካልኢት ተፈናቲቶም ጉዕዝኦም ይቕጽሉ። ኣብ ቀዳመይቲ ጉጅለ፡ ኒውዚላዳዊ ቤቪን፡ ኣውስትራሊያዊ ጄይ ከምኡውን ፈረንሳዊ ኒኮላስ ክኾኑ ኮለዉ፡ ንዳዊቲ የማነ ሓዊስካ 19 ብሉጻት ናይ ጊዜ ተወዳደርቲ ነታ ቀዳመይቲ ጉጅለ እንዳሰዓቡ፡ ኣብ ካልአይቲ ጉጅለ ኮይኖም ውድድሮም ይቕጽሉ።
ጸወታ ክውዳእ 2.5ኪ.ሜ ክተርፎ’ከሎ፡ ቤልጄማዊ ተቐዳዳማይ ፊሊፕሰን ጃስፐር ነታ ካልአይቲ ጉጅለ ራሕሪሕዋ ከይዱ። ኣብ መወዳእታ ዝተገብረ ቮላታ፡ ቤቪን ፓትሪክ 1ይ ኮይኑ ካብታ ቀዳመይቲ ጉጅለ ተዓዊቱ። ዳዊት የማነ ኸኣ ምስታ ካልአይቲ ጉጅለ ኮይኑ ጸወትኡ ብምውዳእ፡ 41 ካልኢት ደንጉዩ መበል 14 ደረጃ ሒዙ ጸወትኡ ዛዚሙ።
ዳዊት ሎሚውን ኣዝዩ ጽቡቕ ጊዜ ብምምዝጋብ፡ 7ይ ደረጅኡ ዓቂቡ ናብ ናይ መወዳእታ መድረኽ ጽባሕ ክኣቱ ኢዩ።