ሮናልዶ መበል 60 ሃትሪክ ሰሪሑ
ፖርቱጋላዊ ኮኾብ ተጸዋታይ ክለብ ማንችስተር ዩናይትድ ክርስቲያኖ ሮናልዶ፡ ትማሊ ጋንትኡ ንኖርዊች ዓዲማ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም 3 ሽቶታት ብምምዝጋብ ሃትሪክ ሰሪሑ። ዩናይትድ ቅድሚ ዕረፍቲ 2 ብ 0 መሪሓ’ኳ እንተወጸት፡ ድሕሪ ዕረፍቲኢ ብተኸታታሊ 2 ሽቶታት ተምዝጊብዋ ጸወታ ማዕረ 2 ብ 2 ጸወታ እንዳቀጸለ፡ ሮናልዶ ኣብ መበል 76 ደቒቕ ካብ ከባቢ 23 ሜትሮ ርሕቐት ነጻ ቅላዕ ሽቶ ስለዘመዝገበ፡ 3 ነጥቢ ሒዛ ወዲኣ።
- ሮናልዶ ንመበል 16 ተኸታታሊ ዓመተ-ስፓርት፡ 20 ሽቶታት ወይውን ልዕሊኡን ኣመዝጊቡ።
- ኣብ ታሪኽ ፕሪሚየር ሊግ፡ እቲ ኣዝዩ ብዕድመ ዝዓበየ ሽቶ ዘመዝገብ ካብ ነታ ሽቶ ዘሳሰየሉ(ኣንቶኒዮ ኢላንጋ) ተባሂሉ
ዴቪድ ዲ ሃያ ደሕሪ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ጽቡቕ ጸወታ ኣይተጻወትናን፡ እንተኾነ 3 ነጥቢ ሒዝና ወጺና። ዋላ ሕጂውን 4ይ ኮይና ነዚ ዓመት ክንዛዝሞ ዓቢ ዕድል ኣለና፡ ክሳብ መወዳእታ’ኸኣ ክንጽዕር ኢና” ኢሉ።
ኣብ ካልእ ናይ ትማሊ ፕሪሚየር ሊግ ውጽኢት
ሳውዝሃምፕተን 1 ኣርሰናል 0
ዋትፎርድ 1 ቤንትፎርድ 2
ቶተንሃም 0 ብራይተን 1
ሊቨርፑል ንሲቲ ስዒራ ናብ ዋንጫ ሓሊፋ
ንኬቪን ደብሩኔን ካይል ዎከርን ዘየሰለፈት ማንችስተር ሲቲ፡ ኣብ ናይ ፍርቂ ፍጻመ ኤፍ ኤ ካብ ብሊቨርፑል 3 ብ 2 ተሳዒራ። ሊቨርፑል ካብ ማነ 2 ሽቶታትን ካብ ኮናቴ ሓንቲ ሽቶ ክትረክብ’እንከላ፡ ሲት ኸኣ ካብ ግሬልሽን ኣብ ተወሳኺ ጊዜ ድማ ካብ በርናንዶ ሲልቫ እተን 2 ሽቶታት ረኺባ።
ካብ ሓላዊ ልደት ጀሚርካ ብዙሕ ምቅይያራት ጌራ ዝኣተወት ሲቲ፡ ንሻምፒዮንስ ሊግን ፕሪሚየር ሊግን ቀዳምነት ከምዝሃበት ኣብቲ ኣሰላልፋ ተጻወቲ ብግልጺ ይረአ ኔሩ። ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ኣትሌቲኮ ማድሪድ ማዕረ ካብ ዝተፈላለይትሉ ጸወታ፡ ሸውዓተ ተጻወቲ ቀዪራ ኣትያ። ሲቲ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት፡ ካብ ፔፕ ጋርዲዮላ ሻምፒዮንስ ሊግ ክትዕወት ትጽበ ኣላ፡፡
ምናልባትውን ነዚ ጽዋእ እንተ ተዓዊታትሉ፡ ኣብ ታሪኻ ንመጀመርታ ጊዜ ነዚ ዓቢ ኽብሪ ክትጎናጸፍ ኢያ፡፡
ፔፕ ጋርዲዮላ ኣብ ናይ ትማሊ ጸወታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ተጻወ’ቱ ማህረምትን ድኻምን ስለዝነበሮም፡ ናብ’ቲ ጸወታ ተጻወቲ ቀያይሩ ካብ ምእታው ካልእ ኣማራጺ ከምዘይነበሮ ተዛሪቡ።
ንካራቦኣ ካፕ ኣቐዲማ ዝተዓወተት ሊቨርፑል፡ ካብ ቼልሲን ክሪስታል ፓላስ ምስ ተዓወተት፡ ንዋንጫ ኤፍ ኤ ካብ ክትጻወት ኢያ። ሊቨርፑል ብጠቕላላ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ-ስፖርት ን 4 ዋናጩ ትጻወት ኣላ ማለት ኢዩ። ኣብዚ ናይ ትማሊ ጸወታ፡ ሰይዶ ማነ ኮኾብ ተጻዋታይ ኮይኑ ተጸዊዑ።