ተኽእሎ ሓድሽ ዙርያ ኲናት ኣብ ኢትዮጵያ ልዑል ምዃኑ፣ ቤት ጽሕፈት ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ንካድረታቱ ኣብ ዝዘርግሖ ዉሽጣዊ ሰነድ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

እቲ ናይ ወርሒ መጋቢት 2022 ዉሽጣዊ ሰነድ፡ ካብ ሕዳር ናይ 2021 ንዝተመዝገቡ ምዕባለታት ኲናት ኢትዮጵያን ኣብ መጻኢ ኪህሉ ንዝኽእል ክዉንነትን ዝገምገመ ኮይኑ፣ ኣብ ሞንጎ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ተስፋ ዘለዎም ዝመስሉ ግን ከኣ ወገናዊ ጥሙሖም ዘይሓንገዱ ጽምዶታት ፡ ዘምጽእዎ ፋይዳ ከምዘይህሉ ይሕብር።

ናይ ክልቲኦም ወገናት ዕላማታትን መርገጺታትን ተነጻጻጊ ብምዃኑ፡ ክልቲኦም ረድዮም ናብ ዝቕበልዎ ፍታሕ ከምርሕ ኣይክእልን እዩ ዝበለ እቲ ሰነድ፣ ክልቲኦም ወገናት ካብ ግጭት ከርሕቚ እንተደለዩን ኣመሪካ ናይ ኩሉ ዓቕማ ጻዕርን ጸቅጥን እንተገበረትን ፣ “ተኽእሎ ሓድሽ ዙርያ ኲናት ዓቢ እዩ” ክብል ኣስሚርሉ ኣሎ።

ወተሃደራዊ ኩነታት ኣብ ተዛማዲ ህድኣት ኣብ ዘለወሉ፡ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ዝኾኑ ፖለቲካዉን ዲፕሎማስያዉን ምዕባለታት ከምእተመዝገቡ ዘይሓብአ እቲ ዉሽጣዊ ሰነድ፣ ብፍላይ ኣብ’ቶም ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኪዛይዱ ዝጸንሑ ሕደገታትን፡ ንሰላማዊ ጽምዶ ዝዕድሙ ተበግሶታትን፣ ህግደፍ ዕጉም ዘይምህላዉ ዘፍእሙ ትዕዝብቲታት ኣስፊሩ ኣሎ።

ኤርትራ ካብ ቀንዲ ተዋሳእቲ ናይ’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲነታት ብምዃና ፣ ንሓይልን ቀጻልነትን ህወሓት ዘራጒዱ መንገድታት ከይረጋገጹ ይስራሕ ከምዘሎ ዝጠቐሰ ዉሽጣዊ ሰነድ ቤት ጽሕፈት ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ፣ በዚ ጉዳይ ኣብ መጻኢ ዝስረሓሉ ዕላማታት ዘርዚሩ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶኡ እቲ ዉሽጣዊ ሰነድ ፡ ከምዘለዎ ተነቢቡ ሰኑይ ኣብ መደብ ኣዋናዊ ጉዳያት ኪቐርብ እዩ።