ኣብ’ዚ ቅንያት መትረብ እንግሊዝ ሰጊራ ኣብ ገማግም ከንት ናይ ብሪጣንያ ምስ ዝኣተወት ጃልባ ዝነበሩ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ንጋዜጣ ዘ-ጋርድያን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ ካብ ናብ ርዋንዳ ኪምለሱ ኣብ’ቲ ዘለዉዎ ህይወቶም ከሕልፉ ከምዝመርጹ ኣተሓሳሲቦም።
ኣብ’ታ ዝኣተወት ጃልባ ተሳፊሮም ዝነበሩ 22 ስደተኛታት ፣ ካብ ናብ ርዋንዳ ኪምለሱ ነብሶም ባዕሎም ከጥፍኡ ከምዝሕሾም እዮም ሓቢሮም።
ጀማል ዝስሙ ኤርትራዊ ስደተኛ ፣ ኣጻምእ ሳሃራ ሰጊሩ ናብ ብሪጣንያ ንኽበጽሕ ክንደይ ኣሽሓት ኪሎሜተራት ከምዝተጓዓዘን ከቢድ መስዋእቲ ከምዝኸፈለን ጠቂሱ ፣ ናብ’ቲ ዝሃደመሉ ከባቢ ዳግም ክምለስ ፍጹም ከምዘይመርጽ ይዛረብ።
ርዋንዳ ልክዕ ከም ኤርትራ ነጻነት ዝጎድላ ሃገር እያ ዝበለ ካልእ ኤርትራዊ ስደተኛ’ዉን፣ ነጻነትን ዉሕስነትን ደልዩ ዘይምለሱ ነገራት ብምኽሳር ናብ ኤውሮጳ ከምዘምርሐ ይሕብር።
በዚ መንግስቲ ብሪጣንያ ነቒልሉ ዘሎ ሓሳብ፣ ኩሎም ሓተቲ ዑቕባ ናብ ኣጻድፍ፣ መንገዲ ባቡርን ባሕሪን ኣንዳኸዱ ነብሶም ከጥፍኡ ከምዝኽእሉ ዝገለጸ ሓደ ሱዳናዊ ስደተኛ፣ ኣቲ መንግስቲ ሓሲብዎ ዘሎ መደብ ክሳዕ ክንደይ ገሃሲን ሓደገኛን ምዃኑ ይዛረብ።
ንርዋንዳ ፈጺሙ ከምዘይፈልጣ ዝሕብር ኩርዳዊ ዒራቓዊ ስደተኛ ብወገኑ፣ ናብኡ እንተጊዕዙ ዝጽበዮ ሽግር ከምዘተሓሳስቦ ምስ ደቂ ዓዱ ርዋንዳ ኣበይ ምዃና ኣብ ካርታ ኣንዳተዓዘበ የዕልል።
ካልኦት እዉን፣ ሓድሽ መደብ መንግስቲ ብሪጣንያ – ነቶም መትረብ እንግሊዝ ኪሰግሩ ዝምድቡ ስደተኛታት ኣብ ፈረንሳ ኪጸንሑን ናብ ከም ጀርመን ዝኣመሰላ ካልኦት ሃገራት ኣንፈቶም ኪልውጡን ኪገብር እምበር ዘምጽኦ ፋይዳ ከምዘየለ ይዛረቡ።
ሓድሽ ዉዕል ብሪጣንያን ርዋንዳን ፣ ብፍላይ ንኤርትራዉያንን ጎረባብቲ ርዋንዳ ካብ ዝኾና ሃገራት ዘምለጡን ስስደተኛታት ኣብ ከቢድ ጸገም ዘዉድቅ እዩ። ሰብ መዚ ርዋንዳ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣብ ዝተሓተትሉ፣ እቲ መደብ ንሓደ ዜጋ ምሒሩ ነቲ ኻልእ ዘገድድ ከምዘይኮነ መሊሶም እዮም።