ብዛዕባ ጠንቅታት ስደት፣ ምግታእ ዋሕዚ ስደት፣ ከምኡ’ዉን ብዛዕባ ድሕነት ስደተኛታት ኪማጔት ዝኾነ ሞራላዊ ብቕዓት ዘይብሉ ጉጅለ ህግደፍ ፡ ኣብ ሞንጎ ብሪጣንያን ርዋንዳን ተኣትዩ ንዘሎ ኢሰብኣዊ ዉዕል ኣምልኪቱ ሓጫጪ መግለጺ ኣውጽዩ ኣሎ።

ህግደፍ ሎሚ 18 ሚያዝያ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ዘመሓላለፎ ሓተታ፣ እታ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ካብ ቀዳሞት ጠንቂ  ኩሉዓይነታዊ ስደት ኣፍሪቃዉያን ዝኾነት ብሪጣንያ ምስ ብገንዘብ ዝሰደዐት ኣፍሪቃዊት ሃገር ተሻሪኻ፡ ብህይወትን ድሕነትን ስደተኛታት ኪትሻየጥ ኣጻፊፋቶ ዘላ መደብ ደዉ ክብል ብምጽዋዕ ፣ ብዛዕባ ስደትን መርበባዊ ገበናቱን ኪመክር ደፊሩ ኣሎ።

ህግደፍ ኩሉ ዕድላት ህይወት ከልኪሉ ዜጋታት ካብ ሃገር ከርሕቚ ከየዕረፈ እንዳሰርሐ፣ ንሃገራት ምዕራብ ጥራይ ብፍልሰት መንእሰይ ኤርትራ ኪኸሰን ፣ ኣብ ምሕደራ ቅልዉላዉ ስደተኛታት ኪግበር ብዛዕባ ዘለዎ ኣሰራርሓ ድማ ሞያዊ-መሰል ምዕዶታትን መግለጺታትን ኪህብ ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ።

ብፍልሰት ኤርትራዉያን ዝሕተታ – እተን ኣብ ራሕቂ ኮይነን ዘህነይንየኦም መንግስታትን ትካላትን ሃገራት ምዕራብ እምበር፡ ተኺልዎ ዘሎ ባርነት ከምዘይኮነ ቀጻሊ ኪምድር ዝብርሆ ህግደፍ፣ ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ ብዛዕባ ህልቂትን ጸገምን ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ቃል ከምሉቕ ኣይተራኣየን።