ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ዘሰሓሕባ ስቡሕ መሬት ኣል ፋሽጋ ዋንነታ ከምዝኾነ ደጊማ ገሊጻ።
ግዝያዊ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት እታ ሃገር ዓሊ ኣልሳድቕ ፡ ኣብ’ዚ ቅንያት ናብ’ታ ሃገር ምብጻሕ ምስ ዘካየደት ፍልይቲ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተራኺቡ ኣብ ዝተዘራረበሉ ኣጋጣሚ እዩ ንመርገጺ መንስግስቱ ኣነጺሩ።
ምስ ኢትዮጵያ ተኣትዩ ዘሎ ምስሕሓብ መሬት ብዘተ ጥራይ ክፍታሕ ከምዝኽእል ዝሕብር መንግስቲ ሱዳን፣ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ እቲ ዋንነታ ዝኾነ መሬት ዝሕሰብ ወተሃደራዊ ስጒምቲ ንምብዳህ ድልዉቲ ምህላዋ ብተደጋጋሚ ኪገልጽ ጸኒሑ እዩ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ነቲ ዘሰሓሕብ መሬት ንምምላስ ስርሒታት የውፍር ምህላዉ ዝኸስስ መንግስቲ ሱዳን ፣ ሰራዊት ሃገሩ ብቐጻሊ የፍሽሎም ከምዘለዉ እዩ ዝግለጽ።
ሱዳን ኣብቲ ግዝኣተይ’ዩ ኢላ ብወተሃደራዊ መንገዲ ካብ ኢትዮጵያ ዝመንዝዓቶ ዶባዊ ከባቢ ኣል-ፋሽጋ፡ ገዘፍቲ ልምዓታዊ መደባት ተተግብር ምህላዋ ዝሕበር ኮይኑ፣ ነቲ ከባቢ ምስ መላእ ሱዳን ከራኽብ ዝተሃንጸ ድንድልን ጽርግያን ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ ልምዓታዊ መደባት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ 2021 ምምራቓ ኣይርሳዕን።
ናይ 1902ን 1903ን መግዛእታዊ ዉዕላት ዶብ ብኽልቲአን ሃገራት ኪኽበር ዝቕይድ ስምምዕ ኣብ 1972 ከምእተኸተመ እትገልጽ ሱዳን፡ ብመሰረት ኣቶም ዉዕላት ስቡሕ ሕርሻዊ መሬት ከምዝዉንን ዝንገረሉ ኣል-ፋሽጋ ግዝኣታ ከምዝኾነ እያ ትኣምን።
ኢትዮጵያዉያን ሓረስቶት ንመሬት ኣል-ፋሽጋ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዘይወግዒ ይረብሕሉ ምህላዎም ኽትከስስ ዝጸንሐት ሱዳን ፡ ኣብ ግዜያት ምጃምር ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ነቲ መሬት ኣብ ቊጽጽራ ከምዘተወቶ ይንገር።
ምስሕሓብ መሬት ሱዳንን ኢትዮጵያን ነቲ ብጉዳይ ምሕደራ ማያዊ ትሕዞ ፈለግ ኒል ኣብ ሞንጎአን ዝቕጽል ዘሎ ምትፍናን የብእሶ ከምዘሎ እዉን ይፍለጥ።