ኣመሪካን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ንጂኦ-ፖለቲካዊ ረብሓታተን ክብላ፡ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዓዉደ ኲናትን ምትፍናንን ንምስማሩ ብቐጻሊ ይሰርሓ ምህላወን፡ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ዙ ቢንግ ወቒሱ።

ኣብ ሸሞንተ ሃገራት እቲ ዞባ ናይ 16 መዓልታት ምብጻሕ ስራሕ ዘቃንዐ እቲ ቻይናዊ ልኡኽ፣ ሃገራት ምዕራብ ረብሓአን ንምሕላዉ ኣብ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝገብራኦ ፖለቲካዊ ምትእትታዉ ፣ ንዘሎ ጸጥታዊ ቅልውላዉ እቲ ዞባ ዘብእስ ጥራይ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ሰላምን ልምዓትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምርግጋጽ ሃገሩ ወጢናቶ ዘላ መደብ ንምኩዋን ምስ መራሕቲ ሃገራት ኣቲ ዞባ ኣብ ቀጻሊ ርክባት ዝቐነየ ኣቲ ቻይናዊ ልኡኽ፣ እቲ መደብ ተግባራዊ ንኸይከዉን ብሃገራት ምዕራብ ዝተፈላለዩ ሽርሕታት ይትግበሩ ምህላዉ ወቒሱ። ቻይና ኣብ ልምዓታዊ መደባት ሃገራት ኣፍሪቃ እተካይዶም ወፍርታትን እትቕርቦም ልቓሓትን ፡ ነተን ሃገራት ኣብ ዘይወጽኦ ዕዳ ከምዝሽመማ ብምግማር ጽልዋኣ ንምርግጋጽ ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣምሲልካ ዝንዛሕ ወረ መሰረት ዘይብሉ ምዃኑ ዘተሓሳሰበ ኣምባሳደር ዙ ፣ ሃገሩ ብመንገዲ ልምዓታዊ ሽርክነት – ሰላምን ቊጠባዊ ምርግጋእን እተን ሃገራት ንምርግጋጽ ዝዓለመ ፖሊሲ ትኽተል ምህላዋ ኣረዲኡ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ወሲኹ፡ ሃገሩ ዋዕላ ሰላም ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምትእንጋድን ዘድሊ ባይታ ንምጥጣሕን ተበጊሳ ምህላዋ ሓቢሩ ኣሎ።

ኣምባሳደር ዙ ቢንግ ኣብ ምሕያልን ምድራዕን ቊጠባዊ መደባት ቻይና ኣብ’ቲ ዞባ ኪነጥፍ፣ ቻይና ኣብ’ቲ ዞባ ከተዉሕሶ ንእትደሊ ሓባራዊ ዕብየት ኣብ ምዕዋት ዘኽእል ጸጥታዊ ርግኣት ንምርግጋጽ ድማ ንመንግስታት ሃገራት ኣቲ ዞባ ከቀራርብ እዩ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ናይ’ዚ ዓመት ከም ፍሉይ ልኡኽ ተመዚዙ ።

ቻይና ኣብ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተዛይዶ ዘላ ቊጠባዊ ጽምዶ ከይደኽማ ዓቲባ ትሰርሕ ከምዘላ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቲ ረብሓ ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ – ጸጥታን ርግኣትን እዚ ዞባ ልዕሊ ካልእ ኣዋን የገድሳ ከምዘሎ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘቲ ዘረድኡ።

እታ ሃገር ኣብ ሶማል፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ኣብ ዕደና፣ ጸጥታ፣ ትሕተቅርጽን ንግዲን እትገብሮም ዘላ ወፍርታት ዓመታዊ ክዛይድ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ናብ ኤርትራ እዉን ተመሳሳሊ ጠመተ ኣቕኒዓ ምህላዋ ኣይርሳዕን።

ብምኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ቻይና ዝምራሕ ጉጅለ ናብ ኤርትራ ብምብጻሕ ፡ ምስ ህግደፍ ኣብ ሓያለ ናይ ጸጥታን ቊጠባን ስትራተጂካዉያን ዛዕባታት ናይ ምርድዳእ ሰነድ ከምዝኸተመ፣ ቻይና ኣንጻር ዝኾነ ግዳማዊ ምትእትታዉ ምስ ህግደፍ ኮይና ከምእትስርሕ ድማ ብወግዒ ከምዝገለጸ ይዝከር።