ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት UNHCR ፡ ብሪጣንያ ሓተቲ ዑቕባ ንምምላስ ምስ ርዋንዳ ኣትያቶ ንዘላ ዉዕል ብምዂናን፡ መንግስታት እተን ሃገራት ነቲ ጉዳይ ዳግመ ግምት ኪገብርሉ ኣተሓሳሲቡ።
ዉዕል ብሪጣንያን ርዋንዳን ንኣህጉራዊ ሕግታትን መትከላትን ዝጻረር ከምዝኾነ ዝሓበረ እቲ ላዕለዋይ ተጸዋዒ፣ እቲ ስጒምቲ ንኣህጉራዊ መስርሕ ዑቕባ ዝፈታተን፣ ንድሕነት ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ድማ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ብምዃኑ ኣትሪሩ ከምዝቃወሞ ገሊጹ።
እቲ ዉዕል ንስደተኛታት ከም ኣቕሓ ኣቐሚጡ ዝዋገ ምዃኑ ወሲኹ ዘተሓሳሰበ UNHCR ፡ ካብ ዝተፈላለየ ሽግር ህይወቶም ከድሕኑ ንዝመጽኡ ወገናት ድንጋጼን ምንክብኻብን ከምዘድልዮም ኣገንዚቡ።
እቲ ዉዕል ብብዙሓት ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾና ኣህጉራዉያን ትካላት ተሪር ተቛዉሞ ይገጥሞ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ብፍላይ መንግስቲ ሩዋንዳ ገንዘባዊ ደገፍ ንምርካብ ንድሕነት እቶም ካብ ብሪጣንያ ዝስጎጉ ዘለዉ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሓደጋ የዉድቅ ከምዘሎ ዝወቕሱ ወገናት፣ ኣፍሪቃዊ ሕብረት’ዉን ኣብ’ዚ ጉዳይ ስቕታ ምምራጹ ከምዘተሓሳሰቦም ይዛረቡ።
ልዕሊ 100 ሽሕ ህዝቢ ብሪጣንያ ንዩክሬናዉያን ተመዛበልቲ ኣብ ገዛኡ ከጽልል ይመባጻዕ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ መንግስቲ እታ ሃገር ንኣፍሪቃዉያንን ኤስያዉያንን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ኴሳጒግ ምርኣይ ፣ መንግስቲን ህዝቢን ብሪጣንያ ንዘይ-ኤዉሮጳዉያን ስደተኛታት ዘለዎም ጓንነት ዘቃልዕ ኮይኑ ኣሎ።