ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ፡ ሊቨርፑል ኣብ ልዕሊ ማንችስተር ናይ 4 ብ 0 ውጽኢት ብምምዝጋብ ብገፊሕ ተዓዊት።
እተን ሽቶታት፡ ካብ ዲያዝ፡ ካብ ሳልሕ ክልተ፡ ከምኡውን ካብ ሰይዶ ማነ ዝተረኽባ ኢየን ኔረን። ክርስቲያኖ ሮናልዶ ብሞት ዕሸል ወዱ ምክንያት ኣብቲ ናይ ትማሊ ምሸት ግጥም ክጻወት ኣይከኣለን።
ኣብዚ ዘለናዮ ዓመተ ስፖርት 2021/22፡ ኣብ ቀዳማይ ዙሪያ ጸወታ ፕሪሚየር ሊግ፡ ማንችስተር ዩናይትድ ኣብ ሜዳኣ ብ ሊቨርፑል 5 ብ 0 ተሳዒራ ምንባራ ይዝከር። ኣብ ሓንቲ ዓመት ጥራይ፡ ማን ዩናይትድ ብድምር 9 ጎላት ተመዝጊብዋ ኣይፈለጥን። ሊቨርፑል ብድምር 9 ብ 0 ን ማንችስተርስ ብምስዓር ኣብ ሊዕሊ ማንችስተር ጸሊም ታሪኽ ሰሪሓ።
ሊቨርፑል በዚ ናይ ትማሊ ውጽኢት ተሓጊዛ፡ ን ሓንቲ ተረፍ ጸወታ ንዝተርፋ ማንችስተር ሲቲ ብ 2 ነጥቢ በሊጻ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ። ሎሚ ሮቡዕ ምሸት ማንችስተር ሲቲ ንብራይተን ዓዲማ ክትጻወት ኢያ። ኣብ ኣዝያ ጽቡቕ ቁመና እትርከብ ሊቨርፑል፡ ኣቐዲማ ኣብዚ ዓመት ን ካራቦኣ ካፕ ወሲዳ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ን ማን-ሲቲ ስዒራ፡ምስ ቼልሲ ን ዋንጫ ኤፍ ኤ ካፕ ሓሊፋ፥ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሻምፒዮንስ ሊግ ሓሊፋ፥ ኣብ ፕሪሜየር ሊግ ከኣ ምስ ሲቲ ኣብ ንሕንሕ ኣትያ ትርከብ።