ብዉሑዱ 2,000 ኣባላቱ ፡ ነቲ ዘለዉዎ ስራሕ ብቑዓት ዝገብሮም ጥዕና ኣእምሮ ከምዝጎድሎም፡ ፖሊስ ኬንያ ብ19 ሚያዝያ ሓቢሩ። ጠቕላሊ መርማሪ ኣገልግሎት ፖሊስ ኬንያ ሂላሪ ሙተያምባ ነቲ ሓበሬታ ዝሃበ ኮይኑ፣ ንኣባላት ፖሊስ ኪካየድ ድሕሪ ዝጸንሐ ኣካላዉን ኣእምሮኣዉን መርመራ፣ እቲ ዉጻኢት ምርካቡ ኣረዲኡ ኣሎ።

ካብ ዝሓለፋ ቀረባ ዓመታት፡ መጠን ነብሰ-ጉድኣትን ነብሰ-ቅትለትን ኣብ ኣባላት ፖሊስ እታ ሃገር ኪዛይድ ምጽንሑ ዝሓበረ እቲ ሓላፊ፣ ብፍላይ ነቲ ኣብ ገለ ኣባላት ኪምዝገብ ዝጸንሐ ጭንቀት ዝደፍኦ ጌጋታት መፍትሒ ንምንዳይ፡ እቲ ሕክምናዊ ምርመራ ኽካየድ ከምእተገብረ ይገልጽ።

ፖሊስ ኬንያ ኣስታት 100 ሽሕ ኣባላት ከምዘለዉዎ መንግስታዊ ሰነዳት የረድኡ።

ጥዕናዊ ብቕዓት ከምዝጎድሎም ንዝተፈለጡ ኣባላት ፖሊስ ካብ ስራሕ ንምእላዮም ምምሕዳራዊ ኣገባባት ይስራዕ ከምዘሎ ዝሓበረ ፖሊስ ኬንያ፣ እቲ ካብ ስራሕ ናይ ምእላይ ስጒምቲ ዘይተደልየ ሽግር ከየምጽእ ብጥንቃቐ ይርአ ምህላዉ ገሊጹ ኣሎ።

2,000 ዝኣኽሉ ኣባላት ፖሊስ ነቲ ዘለዉዎ ቦታ ስራሕ ዘይበቅዕ ጥዕናዊ ቊመና ጸኒሕዎም ክትርኢ ኣሰንባዲ ከምዝኾነ ዝሕብራ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር እዉን፣ በቲ ምኽንያት “ካብ ስራሕ ኪትፋነዉ ኢኹም” ዝበሃሉ ገለ ኣባላት ኣብ ነብሶምን ከባቢኦም ጉድኣት ከየብጽሑ ተፈሪሁ ከምዘሎ የተሓሳስባ።

መሓዉራት ጸጥታ ኬንያ ብብልሹውና ካብ ዝልለዩ ኣካልት ምዃኖም ዝሕብሩ ጸብጻባት፣ ብፍላይ ንተራን ታሕተዎት ሓለፍቲን ዝወሃብ መሃያ ኣመና ትሑት ብምዃኑ፣ ሕቶ መነባብሮ ዘንቅሎ ጭንቀት ቀሊል ከምዘይኮነ፣ ብሰንኪ እዚ’ ኣብ ታሕተዋይ መሳርዕ ፖሊስ እታ ሃገር ዝረአ ብልሽዉና ድማ ዓመታዊ ይብእ ምህላዉ የረድኡ።