ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ ብምኽንያት ዝመጽእ ዘሎ ዒድ-ኣልፈጥርን መዓልቲ ምሕራር ሲናይን፡ ንሓያለ ኣሱራት ምሕረት ገይሩ።
ካብ ትካላት ጸጥታ ፣ ክፍሊ መኣረምታን ሚኒስትሪ ዉሽጣዊ ጉዳያትን ዝተዋጽአት ኮሚተ ፡ ንምሕረት ብቚዓት ዝኾኑ እሱራት መመያ ድሕሪ ምዉሳና እዩ እቲ ፕረዚደንት ኣጽዲቕዎ ዘሎ።ብዝሒ’ቶም ምሕረት ተገይርሎም ዘሎ እሱራት ብዝምልከት ዛጊት ዝተዋህበ ሓበሬታ እኳ ኣንተዘየለ፣ ሓያለ ስድራቤታት ግን ተሓጒሰን ዉዒለን ኣለዋ።
ብመሰረት ዓንቀጽ 155 ቅዋም እታ ሃገር ፣ ፕረዚደንት – ብኮሚተ ምሕረት ንዝተበጽሐ ዉሳኔ ከጽድቕ ፍቓድ ዝወሃቦ ኮይኑ ፣ ፕረዚደንታዊ ምሕረት ኣብ ቅንያት ሃይማኖታዊን ሃገራዊን በዓልት ግብጺ ልሙድ ተርእዮ ምዃኑ ይንገር።
ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰብ፡ ኣጽዋርን ዕጸታትን ፣ ኣብ ግብረ-ሽበራ ፣ ከምኡ’ዉን ኣብ ቅትለት ሕነ ዉዒሎም ዝተኣስሩ ገበነኛታት ካብ’ቶ ምሕረት ዘይግበረሎም እዮም።
እዋናዊ ፕረዚደንት ግብጺ ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ናይ’ዚ ዓመት እዉን ብምኽንያት ክልተ ሃገራዉያን በዓላት ን2,337 እሱራት ብምሕረት ኪፍትሑ ምእዋጁ ይንገር።