4ይ መድረኽ ዙር ኣልፕስ


ኣቐዲሙ ብ ጂሮ ዲ ቲሮንቲኖ ቀጺሉ ድማ ብ “ቱር ኣልፕስ” ዝጽዋዕ፡ ብ ዩ.ሲ.ኣይ ናይ “2.Pro” መዐቀኒ ዝተዋህቦ፡ ካብ ናይ “ዎርልድ ቱሩ” ቀጺሉ ዝስራዕ ዝለዓል ደረጃ ቅድድም ብሽክሌታ፡ ንመበል 45 ጊዜኡ ኣብ ከተማ ኦስትሪያ ዝኾነት ቲሮል ከምኡ ውን ኣብ ናይ ጥልያን ዞባታት ቲሮንቲኖን ደቡብ ትሮል ይካየድ ኣሎ። ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝተዛዘመ 142.2 ኪ.ሜ ዝሸፈነ 4ይ መድረኽ ቱር ኣልፕስ፡ ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጺዮን መበል 28 ደረጃ ክሕዝ’ከሎ መርሃዊ ቅዱስ ድማ መበል 48 ደረጃ ሒዙ ወድድሮም ዛዚሞም።
ኣብ ሓያል ዓቐበት ዝተዛዘመ እዚ ናይ ሎሚ ውድድር፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ናትናኤልን መርሃዊን ዝነኣድ ደረጃ ሒዞም ኣትእዮም። ኣብ ናይ ትማሊ 3ይ መድረኽ ዙር ኣልፕስ፡ ናትናኤል ተስፋጺዮን 4 ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ምዝዛሙ ይዝከር።

 

ኣርሰናልን ሲቲን ተዓዊተን

ኤዲ ንኬቲያ ኣብ ዝነገሰሉ ናይ ትማሊ ምሸት ግጥም ፕሪሚየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣርሰናል ናብ ሜዳ ቼልሲ ስታምፎርድ ብሪጅ ከይዳ 4 ብ 2 ዝኾነ ውጽኢት ስዒራ ተመሊሳ።

ወዲ 22 ዓመት ንኬቲያ ኣብ መንእሰያት መመልመሊ ተጻወቲ ቼልሲን ኣርሰናልን ዝሰልጠነ ኮይኑ፡ ምስ ሊድስ ዩናይትድ ብለቃሕ ኣብ ዓመተ ስፖርት 2019/2020 ተጻዊቱ ኢዩ። ኣብ’ቲ ትማሊ ምሸት ኣርሰናል ድሙቕ ዓወት ዘመዝገበትሉ ጸወታ፡ ንኬቲያ ን ቀዳመይቲን ሳልሰይቲን ሽቶታት ኣመዝጊቡ።

ናብቲ ጸወታ ምስ‘ንምለስ፡ ኣርሰናል ብመንገዲ ንኬቲያን ኤሚል ስሚዝ ሮውን፡ ንቼልሲ ክልተ ጊዜ ምምራሕ ክኢላ ኢያ። እንተኾነ ቼልሲ ካብ ወርነርን ሓለቓ ጋንታኣን ኣዝፒኬታን ዝረኸበተን ሽቶታት ክትመዓራራ ክኢላ ኔራ። ኣርሴናል ካብ ንኬቲያን፡ ኣብ ተወሳኺ ጊዜ ብፍጹም ቅላዕ ካብ ሳካን ክልተ ሽቶታት ወሲኻ፡ ብጠቕላላ 4 ብ 2 ስዒራ።

ማንችስተር ሲቲ ብወገና ን ብራይተን ዓዲማ ኣብ ዘካየደቶ መበል 32 ጸወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ፡ ካብ ሪያድ ማህረዝ፡ ፊል ፎደን ከምኡ’ውን በርናንዶ ሲልቫ ዝረኸበተን 3 ሽቶታት ተሓጊዛ፡ 3 ብ 0 ተዓዊታ ወጺኣ። በዚ መሰረት፡ ን 24 ሰዓታት መሪሕነት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ብ ሊቨርፑል ተመንጢላ ዝጸንሐት ሲቲ፡ ብሓንቲ ነጥቢ በሊጻ ደጊማ ንመሪሒነት ተረኪባቶ ኣላ።


ኣብ ካልእ ጸወታታት ፕሪሚየር ሊግ፡ ኒውካስትል ን ክርስቲያል ፓላስ ዓዲማ 1 ብ 0 ክትዕወት’ከላ፡ ኤቨርተንን ሌስተር ሲቲን ድማ 1 ብ 1 ተፈላልየን።