ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ-ዓለምን ኪዉሰዱ ትጽቢት ዝግበረሎም ስጒምትታት ብተግባር ተተመስኪሮም፣  ሓይልታት ትግራይ ሒዝምዎ ካብ ዘለዉ ካልኦት ከባቢታት ክልል ዓፋር ኪወጽኡ ድሉዋት ምዃኖም፡ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብ20 ሚያዝያ ናብ ጠቕላሊ ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጒታረዝ ኣብ ዝሰደዶ ደብዳቤ ኣረዲኡ።

ሓይልታት ትግራይ ጠቕሊሎም ካብ ክልል ዓፋር ዘይወጽእሉ ምኽንያት፡ ቀጻልነትን ፍጹምነትን ናይ’ቲ ናብ ክልል ትግራይ ኪበጽሕ ዝድለ ዘሎ እኹል ረድኤት ንምርግጋጽ ከምዝኾነ ዘረድአ እቲ ደብዳቤ፣ ጠቕላላ ምስሓብ እቶም ሓይልታት ፡ ምስ ትግባረ ናይ’ቶም ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ማሕበርሰብ ዓለምን ቀሪቦም ዘለዉ ጠለባት ዝርአ ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ውሑስ መስመር ረዲኤት ክረጋገጽ፣ እኹል ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይጸገም ኣብ ግዜኡ ንኽኣቱ ዘኽእል ኣሰራርሓ ድማ ኪቐንዕ ዝጸውዐ እቲ ክልላዊ መንግስቲ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጸኒዑ ዝቕጽል ዘሎ ማሕበራዉን ቊጠባዉን ዕጽዋ ብቕልጡፍ ተላዒሉ – ህዝቢ ተኸልኪሎምዎ ዘለዉ ኣገልግሎታት ኪፍትሑ ብምትሕስሳብ፣ እቶም ጠለባት ይትግበሩ ምህላዎም ተዓዚቡ ዘረጋግጽ ድማ ከም ሕቡራት ሃገራት ዝበለ ዘይሻራዊ ኣካል ሓላፍነት ኪወስድ ኣትሪሩ ጸዊዑ ኣሎ።

መልእኽቲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ መወዳኣታ፡ ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ዕጽዋ ዘሕልፎ ንዘሎ ቅልዉላዉ ዘዝልቚ መንገዲታት ተዘይተረጋጊጾም ፣ ንሰላማዊ ፍታሕ ዘባጽሑ ተበግሶታት ድማ ተስፋ ተተሳኢንዎም – ሓይልታት ትግራይ ዕጽዋ ንምስባር ዘካይድዎ ወተሃደራዊ ፈተነ ኪቕጽል ከምዝኾነ እዩ ኣረዲኡ ዘሎ።

ሓይልታት ክልል ትግራይ ሒዞምዎ ካብ ዝጸንሑ ከባቢታት ኢሪብቲ ናይ ክልል ዓፋር ከምዝወጽኡ ፡ ክፍሊ መራኸቢታት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብ12 ሚያዝያ ገሊጹ እዩ። ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 24 መጋቢት ዝወሰዶ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ንምስናይን ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ጸገም ናብ ትግራይ ኪባጻሕ ንምድግጋፍን ነቲ ስጒምቲ ከምዝወሰደ እዩ ኣቲ ክልላዊ መንግስቲ ሓቢሩ ነይሩ።

ንምስሓብ ሓይልታት ክልል ትግራይ ካብ ገለ ካቢታት ክልል ዓፋር ስዒቡ፡ መግቢን መድሃኒትን ዝጸዓና ተወሰኽቲ 50 መካይን ናብ መቐለ ምእታወን ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ድሕሪኡ ኪመጽእ ዝተራእየ ረድኤት ከምዘየለ እዩ ዝዝረብ ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመንገዲ’ቲ ኣዊጁዎ ዘሎ ሰባኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ፡ እኹል ረዲኢት ናብ ትግራይ ኪበጽእ እንተኾይኑ፣ ሓይልታት ክልል ትግራይ ካብ ከባቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ጠቕሊሎም ኪወጽኡ ከምዘለዎም እዩ ብተደጋጋሚ ዝሕብር ዘሎ።

ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ዓፋር ዘካየድዎ ወራር፡ ን1.3 ሚልዮን ካብ ህዝቢ እታ ክልል ተጸባዪ ህጹጽ ረዲኤት ከምዝገበረ፣ ሃገራዊ ኮሚሽን ምሕደራ ሓድጋታት ሓቢሩ እዩ ። ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት እቲ ኮሚሽን -ንኢትዮጵያዊ ወኪል ዜና EPA ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ካብ 21 ወረዳታት ኣታ ክልል ልዕሊ 645,000 ሰባት ከምእተመዛበሉ ጠቒሱ ፣ ልዕሊ ፍርቂ ካብኣቶም ኣብ 16 ግዝያዉያን መዓስከራት ይናበዩ ምህላዎም ኣረዲኡ።