ናይ ጣዕሳ ፎርም መሊኦም ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ሒዞም ዝጸንሑ ስደተኛታት ወገናትና ኣብ ጸገም ወዲቘም ምህላዎም ምንጭታት ካብ ከተማ ኣዲስ-ኣበባ ሓቢሮም።

ብድኹምን ኣሰልካዪን ኣሰራርሓ ኢትዮጵያዊ በዓል መዚ ንጉዳይ ስደተኛታትን ተመላሶን ARRA ተስፋ ቈሪጾም ናብ ኢምባሴ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ብምኻድ ናይ ጣዕሳ ፎርም ብምምላእ ፓስፖርት ዝሓዙ ስደተኛታት ፣ ኣብ ሞንጎ ክፍሊ ኢሚግሬሽን ኢትዮጵያን ኢምባሲ ኤርትራን ብዝተኣትወ ግዝያዊ ስምምዕ መሰረት፡ ንመንበሪ ቪዛ ኣማኢት ዶላራት እንዳኸፈሉ ምጽንሖም ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ቪዛ ንምሕዳስ ናብ ኢሚግሪሽን ኣብ ዘምርሕሉ፣ ኣስማቶም ኣብ ሰነዳት ARRA እንተጸኒሑ ሻቡ ፓስፖርቶም ይሕደጉ፣ ዝበዝሑ በቲ ፓስፖርት ናይ ጉዕዞ መደባት ዝሰርዑን ምስ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ቤተሰቦም ክጥርነፉ መስርሕ ዝጀመሩን ድማ ኣብ ሓድሽ ጸገም ይወድቊ ምህላዎም ክርዳእ ተኻኢሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ሓተቲ ዑቕባ ወይ’ዉን ስደተኛታት ምንባሮም ብግቡእ እንዳፈለጠ ናይ ጣዕሳ ፎርም ኣምሊኡ ብልዑል ክፍሊት ፓስፖርት ዝዓደለ ኢምባሲ ኤርትራ፡ ብዛዕባ እዚ ዘጋጥም ዘሎ ጸገም ከም-ዘይፈለጠ ስቕ ይመርጽን ፡ ንዝዉሕዙ ዘለዉ ጥርዓናት መልሲ ከይህብ ይሕባእን ምህላዉ እዉን እቶም ምንጭታት የረድኡ።

ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ካብ ናይ’ቶም ኣብ ክልላት ዓፋርን ትግራይን ኣብ ሞንጎ ክልተ ሓዊ ተቐርቂሮም ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣሕዋቶም ብዘይፍለ፣ ብምምሕዳራዊ ጸቕጥታት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሸለልትነት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት፡ ከምኡ’ዉን ብገንዘባዊ ምዝመዛ ኢምባሲ ኤርትራ ቀጻሊ ይሽገሩ ምህላዎም ይፍለጥ።

ነዊሕ ናይ ዳግመ ሰፈራ መስርሕ ዝተጸበዩ ፣ ብትምህርቲ፡ መርዓን፡ ምጥርናፍ ስድራቤትን ዉዕላት ስራሕን ናብ ሃገራት ምዕራብ ከምርሑ ፍቓድ ዝረኸቡን ሓያለ ኤርትራዉያን ፡ ካብ ARRAን UNHCRን ኪረኽብዎም ግድን ዝኾኑ ሰነዳት ጒዕዞን ምምሕዳራዊ ደገፋትን ስኢኖም መደባቶም ይተዓናቐፍ ከምዘሎ እዉን ብተደጋጋሚ ኪሕበር ጸኒሑ እዩ።

ብዘይካዚ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያን ጨንፈር UNHCR ኣብታ ሃገርን፡ ካብ ወርሒ ጥሪ ናይ 2020 ጀሚሮም መሰል ዑቕባ ንኤርትራዉያን ዕጹው ጌሮሞ ከምዝመስል ፣ ብፍላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመሰል ሓደስቲ ሓታቲ ዑቕባ ኤርትራዉያን ብዝምልከት ዛጊት ዝሓንጸጾ መደብ ከምዘየለ እዩ ማሕበረ-ኮም ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝወቅስ።