ንኬንያ ካብ 2002 ክሳብ 2013 ንክልተ እብረ ዝመርሐ ፕረዚደንት ሚዋይ ኪባኪ ኣብ መበል 90 ዓመት ዕድሚኡ ዓሪፉ። ፕረዚደንት ኪባኪ ብሰንኪ ሽምግልናን ኩነታት ጥዕናን ቀጻሊ ሕክምናዊ ደገፍ ኪግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ዓሪፉ ዘሎ።

ንዳንኤል ኣራፍ ሞይ ተኪኡ ኣብ 2002 ናብ መሪሕነት ዝመጽእ እቲ ፕረዚደንት፣ ንካልኣይ ግዜ ስልጣን ንምሓዝ ኣብ ዝተወዳደረሉ ምርጫ  ዉዒልዎ ብዝበሃል ምጥፍፋእን ብሰንኩ ዝሰዓበ ህይወት ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ዘጥፍአ ከቢድ ግጭትን ብቀጻሊ ኪዉቀስ ዝጸንሐ እዩ።

ዉጻኢት ናይ’ቲ ኣብ 2007 ዝተኻየደ ምርጫ ፡ ብራያል ኦዲንጋ ዝምራሕ ተወዳዳሪ ሰልፊ ተቐባልነት ድሕሪ ምስኣኑ ፣ ኬንያ ንሰሙናት ኣብ ዝቐጸለ ከቢድ ግጭት ተሸሚማ ምንባራ ኣይርሳዕን።

በቲ ከይጸንሐ ዓሌታዊ መልክዕ ዝሓዘ ግጭት ልዕሊ 600 ሽሕ ሰባት ከምእተመዛበሉ ፣ ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ዋና ጸሓዊ ሕቡራት ሃገራት ነበር ኮፊ ኣናን ብዘቃንዖ፣ ራያል ኦዲንጋ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ስልጣን ኪከሓስ ዘኽኣሎ ሽምግልና ድማ እቲ ግጭት ምዕራፉ ይዝከር።

ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ፕረዚደንትን ምክትል ፕረዚደንትን ኬንያ ዘለዉ ኡሁሩ ኬንያታን ዊልያም ሩቶን ፣ ኣብ’ቲ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተመዝገበሉ ናይ 2007 ግጭት ምስ ፕረዚደንት ምዋይ ኪባኪ ወጊንኩም ብዝብል፡ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት – ድሒሩ ዝተወንዘፈ ክሲ ተመስሪትሎም ምንባሩ እዉን ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ኪባኪ ድሕሪ’ቲ ግጭት ኣብ 2010 ፣ “ንመሰልን ምክብባርን ቀቢላታት ዝሓሸ ባይታ ከንጽፍ ክኢሉ ” ዝበሃለሉ ዝተሓደሰ ሃገራዊ ቅዋም ክዉን ኣብ ምግባር ዘይነዓቕ ተራ ከምዝነበሮ እዩ ዝሕበር።