ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝተዛዘመ ንመበል 39 ጊዚኡ ዝተኻየድ ማራቶን ቬና ሲቲ 2022፡ ኤርትራዊ ኣትሌት ዑቕበ ክብሮም ብ 02፡07፡35 ጊዜ 3 ኮይኑ ተዓዊቱ። ኣብቲ ውድድር ቀዳማይን ካልኣይን ኮይኖም ዝተዓወቱ ኬኒያውያን ኣትሌታት ኢዮም።

ኮስማስ ሞቶሎ ብ 02፡06፡53 ቀዳማይ ክወጽእ’ከሎ ሊዮናርድ ኪብኮች ከኣ ብ 02፡06፡59 ካልኣይ ኮይኑ። ጎይትኦም ክፍለ ብዘጋጠሞ ማህሰይቲ ኣብዚ ውድድር ክሳተፍ ኣይከኣለን። ጎይትኦም ኣብ ናይ ቬና ማራቶን ዝለዓለ ግምት ካብ ዝተዋህቦም ኣትሌታት ኢዩ ኔሩ። ኣብዚ ውድድር ክሳተፍ እንተዝኽእል፡ ናብዚ ናይ ሎሚ ውድድር መበገሲ ሕንጻጽ ብ 02፡05፡28 ናይ ውልቁ ዝበለጸ ጊዜ ሒዙ ዝኣተወ ምተባህለ ኔሩ። ካልእ ዝለዓለ ግምት ተዋህብዎ ዝነበረ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተዓዋቲ ማራቶን ቬና፡ ኬኒያዊ ኣትሌት ሊዮናርድ ሌጋት ኣብዚ ውድድር ክሳተፍ ኣይከኣለን።

ዕቑበ ክብሮም ሎሚ ካብ ዝተሳተፉ ተወዳደርቲ ብናይ ውልቁ ዝብለጸ ጊዜ ሒዙ ኢዩ ኣትዩ። ወዲ 24 ዓመት ኣትሌት ዑቕበ ክብሮም ቅድምቲ ጸወታ ኣብዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ቅድም ሕጂ ኣመዝጊብዎ ዝነበረ ናቱ ዝብለጸ ናይ 2:05:53 ጊዜ ከመሓይሽ ጥራይ ዘይኮነ፡ ን ሸሞንተ ዓመታት ብ ናይ ኢቲዮጵያዊ ኣትሌት ጌቶ ፈለቀ ዝተትሓዘ ናይ 2፡05፡41 ክብረወሰንውን ክሰብር ከምዝጽዕር ሓቢሩ ኔሩ።