ምትእኽኻብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ East African Community (EAC) ነቲ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ሰሪቱ ዘሎ ደማዊ ግጭት ደዉ ንምባል፡ ዞባዊ ሰራዊት ንምቛም ከምእተሰማማዓ ሮይተርስ ሓቢሩ። እቲ ዝቐዉም ሰራዊት ናብ ምብራቓዊ ካፋላት ኮንጎ ዝወፍር ኮይኑ ኣብ’ቲ ከባቢ ኣንጻር መንግስቲ ዝጓነጹ ሓይልታት ንምድቃቕ ዝሰርሕ እዩ።
እዚ ዝገልጽ ዘሎ ሓደ ወርሒ ድሕሪ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ናብ’ቲ ምትእኽኻብ ምጽንባራ እዩ።
ዝገዘፈ ክፋል ሰራዊት ዓቃብ ሰላም ኣዉፊሩ ዘሎ ሕቡራት ሃገራት፣ ነቲ ከባቢ 20 ዓመት ኣቚጺሩ ዘሎ ደማዊ ግጭት ደዉ ንምባል ዛጊት ቢልዮናት ዶላራት ኣዉጺኡ እኳ እንተሃለወ ፣ በንጻሩ ቊጽሪ ዕጡቓት ጉጅለታት ክበዝሕን እቲ ግጭት ናህሪ ኪዉስኽን ይረአ ከምዘሎ እዩ ዝሕበር።
ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ መብዛሕትኦም ካብ ጫካታት ጎረባብቲ ሃገራት ኡጋንዳን ሩዋንዳን ከምዝወፍሩ ዝንገረሎም ልዕሊ 120 ዕጡቓት ጉጅለታት ከምዘለዉ እዩ መንግስቲ እታ ሃገር ዝገልጽ።
ብፍላይ ዝበዝሑ ኣባላቱ ካብ ግዳም ዝኾነ ምስ እስላማዊ ጥሩፍ ጉጅለ ዳዕሽ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዎ ብ ‘ኪዳን ደሞክራስያዉያን ሓይልታት’ ዝጽዋዕ ዕጡቕ ካብ’ቶም ንእዋናዊ መንግስቲ ኮንጎ ኣጸጊሙ ዘሎ ኮይኑ፣ ኣብኡ ግዜ’ዚ ስራዊት መንስቲ ኮንጎ ምስ ሰራዊት ኡጋንዳ ሓቢሩ ነቲ ጉጅለ ኣብ ምድቓቕ ወፊሩ ምህላዉ እዩ ዝሕበር ።
መንግስቲ ኮንጎ ኣብተን ጽዑቕ ግጭት ዝረኣየለን ምብራቓዊ ኢቱሪን ሰሜናዊ ኪቩን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ናይ 2021 ወተሃደራዊ ሕጊ ኣጽኒዑ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ግጭት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ሓደ ካብቶም ቀጻሊ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ዘኸትል ዘሎ ኮይኑ፣ ን27 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኢት ገይሩ ን 5.5 ሚልዮን ካልኦት ድማ ኣመዛቢሉ ምህላዉ ሰነዳት ሕቡራት ሃገራት የረድእ።