ትማሊ ቀዳም ፒ.ኤስ.ጂ ኣብ ሜዳኣ ንሌንስ ዓዲማ 1 ብ 1 ኣብ ዝተፈላለየትሉ ዋንጫ ሊግ-1 ምውሳዳ ኣረጋጊጻ። ዋንጫ ንምውሳድ ሓንቲ ነጥቢ ጥራይ ዘድልያ ዝነበረ ፒ.ኤስ.ጂ፡ ሊዮነል ሜሲ ካብ ክልል ሳንዱቕ ወጻኢ ቀሊዑ ብዘመዝገባ ሽቶ ተሓጊዛ ንመበል 10 ጊዜኣ ተዓዋቲ ሊግ-1 ኮይና።

ደገፍቲ ፒ.ኤስ.ጂ ጋንትኦም ብ ሪያል ማድሪድ ድሕሪ ምግላፋ፡ ብ ኣሰልጣኒ ፖቸቲኖን እታ ክለብን ሕጉሳት ከምዘይኮኑ ክገልጹ ጸኒሖም ኢዮም። ትማሊ ጸወታ ቅድሚ ምዝዛሙ፡ ነቲ ስታዲየም ገዲፎም ክወጹን ዓወቶም ካብ ስታዲየም ወጺኦም ብዘይ ተጻወቲ ክጽምብሉ ትራእዮም።

ንመጀመሪያ ጊዜ ናይ ሊግ ዋንጫ ዝተዓወተ ፖቸቲኖ ደሕሪ ጸወታ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፡ ምስ ደገፍቲ ጽቡቕ ዝኾነ ጊዜ የሕልፉ ከምዘየለዉን፡ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ከምዝጽዕሩ ገሊጹ። “ነቲ ዝቐርብልና ዘሎ ነቐፌታ ንቕበል ኢና፡ ደገፍቲ ብነጻነት ተቓውሞኦም ክገልጹ ይኽእሉ ኢዮም፡ እንተኾነ ነቲ ዝተዓወትናዮ ዋንጫ ክንኽብሮ ኣለና” ኢሉ ወሲኹ ተዛሪቡ።

ማርኮ ቨራቲ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ “እንታይ ይኸውን ኣሎ ኣይርደኣካን ኢዩ፡ ብርግጽ ደገፍቲ ክለብና ብ ማድሪድ ዘጋጠመና ስዕረት ኣዝዮም ከምዝሓዘኑ ይርደኣኒ ኢዩ፡ እንቲኾነ ንቕሚት ክንስጉም ኢዩ ዝግበእና” ኢሉ።

ሊዮነል ሜሲ ትማሊ ዘመዝገባ ሽቶ፡ ካብተን ዝሓለፈ 5 ናይ ሊግ ዋንጫ ምዕዋቱ ዘረጋገጸለን ጸወታታት፡ ኣብተን ኣርባዕተ ጸወታታት መዐወቲ ሽቶ ብምምዝጋብ ታሪኽ ሰሪሑ።

ሜሲ ኣብ 2021/22 ዓመተ-ስፖርት ን ፒ.ኤስ.ጂ ካብ ዘካየዶም 30 ጸወታታት 22 ሽቶታት ኣበርክቶ ጌሩ። 9 ሽቶታት ከምዝግብ’ከሎ 12 ንሽቶ ዝኾና ኩዓሳሱ ንደቂ ጋንትኡ ኣቐቢሉ። ሜሲ ብጠቕላላ 39 ዋንጫታት ብምውስዳ ድሕሪ ዳኒ ኣልቨስ(43 ዋንጫታት) ተሰሪዑ።