ናብ ኢትዮጵያ ምምላስ ኣብዮም ዝጸንሑ ልዕሊ 500 ተጋሩ ኣባላት ዓቃብ ሰላም፣ ኣብ ሱዳን ፖለቲካዊ ዑቕባ ምሕታቶም ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ።

ኣባላት ናይ’ቲ ኣብ ንሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዘሰሓሕብ ዞባ ኣቢየ ዝዓስከረ ኣስታት 4000 ኢትዮጵያዊ ዓቃብ ሰላም ዝነበሩ እቶም ተጋሩ ፣ ናብ ኢትዮጵያ ከይምለሱ ሓንጊዶም ዝጸንሑ እዮም።

ዝምድና ኢትዮጵያን ሱዳንን ብሰንኪ ሕቶ ዋንነት ስቡሕ መሬት ኣል ፋሻጋን ኣጠቓቕማ ፈለግ ኒልን ኪሕርፍፍ ድሕሪ ምጅማሩ፣ እቲ ኢትዮጵያዊ ዓቃብ ሰላም ብኣህጉራዊ ሰራዊት ኪትካእ ከምዝተገብረ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ኣባላት እቲ ዓቃብ ሰላም ናብ’ቲ ተጋሩ የሳቒን ይኣስርን ኣሎ ዝበሃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኽምለሱ ከቢድዎም ምጽንሑ ይንገር።

ወሃብ ቃሊ ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ዝበዝሑ ኣባላት እቲ ኢትዮጵያዊ ዓቃብ ሰላም ናብ ሃገሮም ከምእተመልሱ ፣ ስግኣት ዘለዎም ተወለድቲ ትግራይ ግን ኣብ ሱዳን ዑቕባ ሓቲቶም ኣብ ውሑስ ከባቢ ኣጽሊሎም ከምዘለዉ ኣብሪሁ ኣሎ።

መንግስቲ ሱዳን ሕቶ ዑቕባ እቶም ኣባላት ዓቃብ ሰላም ነበር ምስ UNHCR እንዳተሓጋገዘ የጻርዮ ከምዘሎ እዉን ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ 2020 ዝጀመረ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ፣ ናብ ግሁድ ቀቢላዊ ምትፍናን ዓሪጉ ፣ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ቀጻሊ ምጥቕቓዕ ሰሪቱ ምህላዉ ይፍለጥ።

እቲ ኲናት ንክልል ትግራይ ኣብ ምሉእ ከበባ ኣእትዩ ን90 ሚእታዊት ህዝቢ እታ ክልል ተጸባዪ ህጹጽ ረዲኤት ገይሩ ከምዘሎ ዝግለጽ ኮይኑ፣ ብዘይካ’ዚ ካብታ ክልል ወጻኢ ዝርከቡ ተጋሩ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣልማማ ኪዳጔኑ ምጽንሖም ይንገር። ብተወሳኺ ፣ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ዓፋር ዝፈጸምዎ ወራር ንልዕሊ 1.3 ሚልዮን ህዝቢ እታ ክልል ተጸባዪ ህጹጽ ረድኢት ምግባሩ ይንገር።