ሓይልታት ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ካብ ክልል ዓፋር ከምዝወጽኡ ፣ ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣቶ ጌታቸዉ ረዳ ብ25 ሚያዝያ ንሮይተርስ ሓቢሩ’ዩ። ሮይተርስ ንመግለጺ ኣቶ ጌታቸዉ ረዳ ብዉልቂ ንምርግጋጽ ዘካየዶ ፈተነ እኳ እንተዘይሰለጠ፣ ካብ ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ዓፋር ዝረኸቦ ሓበሬታ ግና በንጻሩ ኮይኑ ኣሎ።
ሓይልታት ትግራይ ካብ ከተማ ኣብዔላ’ኳ እንተወጽኡ ፣ ገና ኣብ ሰለስተ ወረዳታት ምህላዎም ዝሓበረ ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ዓፋር ኣሕመድ ሓሪፍ፣ እቶም ሓይልታት ንኣብዔላን መቐለን ዘራኽብ መስመር መጓዓዝያ ተቘጻጺሮም ምህላዎም እዉን ኣረዲኡ ኣሎ።
ሓይልታት ክልል ትግራይ ሒዞምዎ ካብ ዝጸንሑ ከባቢታት ኢሪብቲ ናይ ክልል ዓፋር ከምዝወጽኡ ፡ ክፍሊ መራኸቢታት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብ12 ሚያዝያ ገሊጹ እዩ። ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 24 መጋቢት ዝወሰዶ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ንምስናይን ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ጸገም ናብ ትግራይ ኪባጻሕ ንምድግጋፍን ነቲ ስጒምቲ ከምዝወሰደ እዩ እቲ ክልላዊ መንግስቲ ሓቢሩ ነይሩ።
ንምስሓብ ሓይልታት ክልል ትግራይ ካብ ገለ ካቢታት ክልል ዓፋር ስዒቡ፡ መግቢን መድሃኒትን ዝጸዓና ተወሰኽቲ መካይን ናብ መቐለ ምእታወን ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ካብ ዝእዉጅ ፣ መግቢ፡መድሃኒትን ነዳዲን ጽዒነን ናብ ክልል ትግራይ በጺሐን ዘለዋ መካይን 144 ጥራይ ከምዝኾና እዩ ሰነዳት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዘረድእ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመንገዲ’ቲ ኣዊጁዎ ዘሎ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ፡ እኹል ረዲኤት ናብ ትግራይ ኪበጽእ እንተኾይኑ፣ ሓይልታት ክልል ትግራይ ካብ ከባቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ጠቕሊሎም ኪወጽኡ ከምዘለዎም እዩ ብተደጋጋሚ ዝጽዉዕ ዘሎ። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እዉን ፡ሓይልታቱ ካብ ክልል ዓፋር ከዉጽእ እንተኾይኑ ክረጋገጽሉ ዝደልዮም ዉሕስነታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከም ቅድመ-ኩነት ኣቕሪቡ ምንባሩ ይዝከር።