ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ሎሚ 27 ሚያዝያ ናብ ሩስያ ብምምራሕ ምስ መዘናኡ ሚኒስተር ሰርጌ ላቭሮቭ ተራኺቡ ከምእተዘራረበ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን። እቶም ሚኒስተራት ድሕሪ እቲ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ዘካየድዎ ዝርርብ ፡ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሃቡ እዉን ተፈሊጡ።

ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ፣ ክልቲኦም ሚኒስተራት ን27 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ሞስኮ ተራኺቦም ኣብ ዞባዉን ኣህጉራዉን መዳያት ኪመያየጡ ምዃኖም ምግላጹ ኣይርሳዕን።

እቲ ርክብ ኣብ ሞንጎ ህግደፍን ሩስያን ንዝሕይል ዘሎ ምሕዝነት ዘረጋግጽ ከምዝኸዉን ተሓቢሩ ነይሩ።

ህግደፍ ፣ ንወራር ሩስያ ኣምልኪቶም ዛጊት ኣብ ዝተቓንዑ ኩሎም ኣኼባታት ሕቡራት ሃገራት ፣ ዝኾነ ዕቃበ ከይመረጸ ጸግዒ ሩስያ ምሓዙ ይፍለጥ።

ኣመሪካ ናብ ጉጅለ ህግደፍ ተቕንዖ ዘላ ዲፕሎማስያዊን ቊጠባዊን መቓጻዕትታት፡ ወተሃደራዊ ስጒምቲ ክስዕቦ ይኽእል እዩ ዝብል ገዚፍ ስግኣት ኣሕዲሩ ዝርከብ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ደገፍ  ሩስያን  ቻይናን ንምዉሓስ  ካብተን ሃገራት ንዓመታት ክቐርበሉ ዝጸንሐ ቊጠባዉን ወተሃደራዉን ዕድመታት ክምልስ ይረአ ምህላዉ እዉን ይግለጽ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ናይ’ዚ ዓመት፡ ላዕለዋይ ወኪል ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ፡ ናብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ብምምራሕ ምስ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ  ከምእተዘራረበን መልእኽቲ ፕረዚደንት ፑቲን ከምዘብጽሐን ኣይርሳዕን።

ንቐጻልነቱ ከስግኡ ዝኽእሉ ምዕባለታት ኣብ ዝኽሰትሉ ግድን ወቕታዉያን መፍትሒታት ኣብ ምርካብ ነዊሕ ተመክሮ ዘለዎ ጉጅለ ህግደፍ፣ እዚ ሕጂ ካብ ሩስያ ኸረጋግጾ ደልዩ ዘሎ ደገፍ- ንጥቕሚን ልምዓትን ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ከምዘይኮነ ይፍለጥ።