ማን ሲቲ ን ሪያል ማድሪድ ብጸቢብ ስዒራታ
ሸዉዓተ ሸቶታት ዝተቘጽረሉ ቀዳማይ እግሪ ፍርቂ ፍጻመ ሻምፒዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ብ26 ሚያዝያ ኣብ ሞንጎ ጎባልል ክለባት ማንችተር ሲቲን ሪያል ማድሪድን ተኻይዱ። ሲቲ ኣብ ሜዳኣ ኢትሃድ ን ሪያል ማድሪድ ዓዲማ ብጸቢብ 4 ብ 3 ተዓዊታ ወጺኣ። ጽቡቕ ጸወታ ዘርኣየት ሲቲ፡ ብመንገዲ ዲቡርኒየ ካብ ሪያድ መሃረዝ ተሳጊራ ንዝመጸቶ ኩዕሶ ተወርዊሩ ብርእሱ ሃሪሙ ዘእተዋ ሽቶ፡ መሪሕት ተትሕዝን ንጸወታ ዘመቀረትን 2ይቲ ደቒቕ ኣቑጺራ። በርቃዊ መጥቃዕትታት ዝገበረት ሲቲ ኣይጸንሐትን ካብ ጋብርኤል ጀሱስ ኣብ መበል 11 ደቒቅ ካልአይቲ ሽቶ ደጊማ።
ሪያድ ማህረዝ ሽቶ እትኸውን ኩዕሶ፡ ኣክንዲ ን ፎደን ዘቐብሎ ቀሊዑ ንናይ ጎኒ ቦርታ መርበብ ሃሪሙ ዝሰሓታ ዕድል፡ ንኣሰልጣኒ ሲቲ ፔፕ ጋርዲዮላ ኣቘጢዑ። ብድሕርዚ ካሪም ቤንዜማ ኣብ መበል 33 ደቒቅ ንማድሪድ ተስፋ እትህብ ካብ መንዲ ዝመጸቶ ኩዕሶ ቀሊዑ ሽቶ ኣመዝጊቡ። ጽቡቕ ናይ ጸወታ ጊዜ ምስ ሲቲ ዘሕለፍ ዘሎ ሪያድ መሃረዝ፡ ሕጂውን ዕድል ኣይገበረን ቀሊዑ ዓንዲ ዘህረማ ኩዕሶ፡ ነታ ስፓኛዊት ጋንታ ተስፋ ክተቑርጽ እትኽእል ኢያ ኔራ።
ኣብ መበል 53 ደቒቕ ነጻ ቦታ ሒዙ ዝጸንሐ ፎደን፡ ካብ ፈርናንደዝ ዝመጸቶ ነዊሕ ኩዕሶ ብርእሱ ሃሪሙ ጸወታ ናብ 3 ብ 1 ቀይሩ ኔሩ። ድሕሪ 2 ደቒቅ ቪንሺየስ ጁኒየር ብዘገርም ን ብራዚላዊ ፈርናንዲኖ በቲኹ ካብ ፍርቂ ሜዳ ጎዩ ሽቶ ስለዘመዝገበ፡ ማድሪድ መሊሳ ነቲ ፍልልይ ክተጽብቦ ክኢላ ኢያ።
ግሩም ዳንነት ዘርኣየ ስቲቫን ኮቫን፡ ዲቡርኑየ ተዓንቂፉ ወዲቑ’ኳ እንተነበረ፡ በርናዶ ሲልቫ ኩዕሶ ስለዝሓዛ ጸወታ ክቕጽል ወሲኑ፡ ሲልቫ ብቕጽበት ኩዕሶ ናብ ጸጋም ልዳት ቴስዓ ዲግሪ ቀሊዑ ራብዓቲ ሽቶ ሲቲ ኣመዝጊቡ። ጸወታ ክውዳእ 8 ደቒቕ ምስተረፎ፡ ቤንዜማ ብዘገርም መንገዲ፡ ላፖርቴ ብኢዱ ተንኪፉ ንዝተወሃበት ፍጹም ቅላዕ ቀሊዑ ሳልሰይቲ ሽቶ ማድሪድ ኣመዝጊቡ። ካሪም ቤንዜማ ትማሊ ንማድሪድ መበል 600 ጸወትኡ ኣካይዱ። ቤንዜማ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመተ-ስፖርት ጸወታታት ብጠቕላላ 40 ሽቶታት ኣቑጺሩ ይረከብ።
3ይ ዙር ብረታኒ 2022
ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝተዛዘመ 171.7ኪ.ሜ ዝሸፈነ ዙር ብረታኒ፡ ተቐዳዳማይ ክለብ ቱዶር ፕሮ ፈራንሳዊ ባውዲን ኣሌክስ ቀዳማይ ክወጽእ’ከሎ፡ ትስፉው ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ኩቤካ ኤፍሬም ገብርሂወት ኸኣ ብ 2 ደቒቕን 55 ካልኢትን ደንጉዩ መበል 74 ኮይኑ ጸወትኡ ዛዚሙ። ጽባሕ ሓሙስውን 4ይ መድረኽ ዙር ብረታኒ፡ ብ167.4 ኪ.ሜ ዝሽፍን ቅድድም ቀጺሉ ክዉዕል እዩ።