ኣብ’ቲ ዝበኣሰ ደርቂ ጎኒፍዎ ዘሎ ዞባ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ፡ ኣስታት 2 ሚልዮን ህጻናት ብጥሜት ናይ ሙማት ሓደጋ ኣንጸላሊዩዎም ከምዘሎ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ምዉህሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፊስ ብ26 ሚያዝያ ሓቢሩ።

ከባቢታት ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ሶማልን ኣብ ውሽጢ ዝሓለፋ 40 ዓመታት ተመዝጊቡ ብዘይፈልጥ ኩነታት ደርቂ ኣመና ተሰኒፉ ምህላዉ ዝሓበረ እቲ ሓላፊ፣ ትካላት ረዲኤት ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ብሰንኪ ደርቂ ኣብ’ቲ ዞባ ዝተራእየ ሞት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ዳግም ከየጋጥም ይጓየያ ምህላወን ኣረዲኡ።

ማርቲን ግሪፊስ ኣብ’ቲ ምስ መሻርኽቲን ወሃብቲ ሓገዝን ኣብ ከተማ ጄነቫ ስዊዘርላንድ ዘቃነዖ ዕጹው ኣኼባ፣ ትካሉ ነቲ ኣንጸላሊዩ ዘሎ ሓደጋ ንምግታእ ኣስታት 1.4 ቢልይን ዶላር ኣመሪካ የድሊዮ እንዳሃለወ ኣብ ኢዱ ዘሎ ግን ኣመና ውሑድ ምጽንሑ ድሕሪ ምግላጽ፣ እቶም መሻርኽቲ ነቲ ዘድሊ መጠን ገንዘብ ኪቕርቡ ተሰማሚዖም ከምዘለዉ ግን ኣይሓብአን ።

ኣድህቦ ማሕበረሰብ ዓለም ናብ ዩክሬን ዘዝዩ ከምዘሎ ዝገልጽ እቲ ሓላፊ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣንጸላሊዩ ዘሎ ሰብኣዊ ሓደጋ’ዉን ቅልጡፍን ተግባራዊን ኣቓልቦ ኪስእን ከምዘይብሉ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ነቲ ዕጹው ኣኼባ ዝወደበ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንዉሕሰነት መግቢ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሻቡ 674.4 ሚልዮን ዶላር ኪህብ ምዃኑ ክሕብር እንከሎ፣ ካናዳ እዉን 73 ሚልዮን ዶላር ኪትቅርብ ምዃና ተመባጺዓ ኣላ።

ብመሰረት መግለጺ ማርቲን ግሪፊስ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂ ን 15 ሚልዮን ሰባት ንላዕለዋይ ደረጃ ጥሜት ኣቃሊዑ ዛጊት ን3 ሚልዮን ጥሪት እቲ ዞባ ኣህሊቚ ከምዘሎ እዩ።

ሰለስተ ክራማት ብዘይ እኹል ዝናብ ዘሕለፈ እቲ ዞባ ፡ ሕጂዉን ንመበል ራብዓይ ግዜ ተመሳሳሊ ኩነታት ኣንጸላሊዩዎ ምህላዉ እዩ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝገልጽ።