ሓይልታት ትግራይ ከባቢ ወልቃዪትን ሑመራን ዓሪዶም ንዘለዉ ሓይልታት ኣምሓራ ንምጥቃዕ ኣሃዱታቶም ይኣኻኽቡ ከምዘለዉ ፣ ጉጅለ ህግደፍ ብቐጥታ ከካፊሎም ንዘይ-መርጽ መግለጺታት ካብ ዘጋውሑ ዘይወግዓዉያን መሓዉራት ሓደ ዝኾነ ተስፋ-ኒውስ ሓቢሩ።

መርበብ ሓበሬት ተስፋ ኒውስ፣ ብ27 ሚያዝያ ኣብ ናይ ቲዊተር ሒሳቡ ዘስፈሮ ጽሑፍ፣ “ህወሓት ነተን ካብ ክልል ዓፋር ዝስሕበን ዘሎ ኣሃዱታቱ ወሲኽካ ሓይልታቱ ዳግም ብምስራዕ ፡ ኣብ’ቲ ንኤርትራ ዘዳዉብ ከባቢታት ወልቃዪትን ሑመራን መጥቃዕትታት ንምክያድ ይዳሎ ኣሎ” ዝብል እዩ።

ተስፋ ኒውስ ፡ ኤሪትርያ ናሽናል ኢንተረስት፣ ከምኡ’ዉን ኤሪትርያ ፕረስ ገለ ካብቶም ብተዘዋዋሪ መንገዲ ናብ ህዝቢ ኪሓልፉ ዝደልዩ ወተሃደራዊ ሓበሬታታት ህግደፍ ኣብ ምግዋሕ ብመሪሕነት ዝነጥፉ ዘለዉ መሓዉራት እዮም።

እቶም መሓዉራት ኣብ መናድቕ ማሕበራዊ ሚድያ ዘካፍልዎም ጽሑፋት፣ ካብ ላዕለዋይ ኣካል ከምዝመጽአ ከይቅላዕ ፣ ድሩቓትን ሓጸርቲን ትሕዝቶታት ዝሓዘሉ እዮም።

ተኽእሎ ሓድሽ ዙርያ ኲናት ኣብ ኢትዮጵያ ልዑል ምዃኑ፣ ቤት ጽሕፈት ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣብ ቀዳመይቲ ሰሙን ናይ ወርሒ’ዚ ንካድረታቱ ኣብ ዝዘርግሖ ዉሽጣዊ ሰነድ ኣተሓሳሲቡ ምንባሩ ኣይርሳዕን ። እቲ ዉሽጣዊ ሰነድ ፣ ናይ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዕላማታትን መርገጺታትን ተነጻጻጊ ብምህላዉ ፡ ክልቲኦም ረድዮም ናብ ዝቕበልዎ ፍታሕ ኪብጻሕ ዝከኣል ከምዘይኮነ ኣስሚርሉ ነይሩ እዩ።

ኣብ’ዚ ሰሙን እዚ ሓይልታቱ ምሉእ ብምሉእ ካብ ክልል ዓፋር ኣውጽዩ እንዳሃለወ፡ ህዝቢ ገና ኣብ ዕጽዋ ከምዝርከብ ዝኸስስ ዘሎ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እዉን ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ቅድመኩነታዊ ጽሑፍ፣ ሰብኣዊን ቊጠባዊን ዕጽዋ እንተቐጺሉ ሓይልታቱ ንዝተረፉ ኩሎም ኣማራጺታት ኪወስዱ ከምዝግደዱ ጠቒሱ እዩ።