ሊቨርፑል ን ቪያሪያል ዓዲማ ተዓዊታ

27 ሚያዝያ ኣብ ዝተገብረ ቀዳማይ እግሪ ፍርቂ ፍጻመ ሻምፒዮንስ ሊግ ኤውሮጳ፡ እንግሊዛዊት ክለብ ሊቨርፑል ን ስፓኛዊት ክለብ ቪያሪያል ናብ ሜዳኣ ኣልንፊልድ ዓዲማ 2 ብ 0 ተዓዊታ። ሊቨርፑል ን 4 ዋናጩ ንምዕታር ኣብ እትገብሮ ቃልሲ፡ ነታ ኣብ ኤውሮጳዊ መድረኽ ኣዝዩ ብሱል ተመኩሮ ንዘለዎ ኣሰልጣኒ ኡናይ ኢምሬ እትውንን ቪያሪያል ብምስዓር ሓንቲ እግራ ናብ ፍጻመ ኣንቢራ።

ሊቨርፑል ጸወታ ተቘጻጺራ ብዙሕ ዕድላት’ኳ እንተፈጠረት ክሳብ 53 ደቒቕ ግን ሽቶ ክትረክብ ኣይከኣለትን ኔራ። ኣብ መበል 53 ደቂቕ ግን ሓለቓ ጋንታ ሊቭርፑል ሄንደርሰን ዘሳገራ ኩዕሶ፡ ኤኳዶራዊ ፕሮፌሽናል ተኸላኻላይ ቪያሪያል ፐርቪስ ስቱፒያንስ ብእግሩ ስለዝጭለፋ፡ ንሓላዊ ልዳት ጀርሚኖ ሩሊ ሰጊራ ክትምዝገብ ክኢላ። ድሕሪ ክልተ ደቓይቕ፡ ጽቡቅ ምንቅስቃስ ዘርኣየ መሓመድ ሳላሕ፡ ብውሕሉል መንገዲ ዘሳገራ ጽብቕቲ ኩዕሶ፡ ሴኔጋላዊ ሰይዶ ማነ ተንኪፉ ሽቶ ስለዘመዝገበ ሊቨርፑል ካልኣይቲ ሽቶ ኣመዝጊባ ንውጺኢት ናብ 2 ብ 0 ቀየረቶ።

ብድሕሪዚ ተወሳኺ ዝተመዝገበ ሽቶ ኣይነበረነን፡ ጸወታ ብዓወት ሊቨርፑል ተዛዚሙ።ኣብቲ ጸወታ ዲያዝ፡ ማነ ከምኡውን ሳላሕ ፈተነታት ሽቶ ኣካይዶም። ብፍላይ ቲያጎ ካብ ርሑቕ ቀሊዑ ላዕለዋይ ዓንዲ ዘህረማ ኩዕሶ ከይተጠቕሰት ኣይትሓልፍን እያ።

ዝመጽእ ሰሉስ ካልኣይ እግሪ ኣብ ሜዳ ቪያሪያ እትገጥም ሊቨርፑል፡ ነታ ካብ ማንችስተር ሲቲን ሪያል ማድሪድን እትስዕር ጋንታ፡ 28 ግንቦት 2022 ኣብ ኣሊያንዝ ኣሬና ሙኒክ ኣብ ዝካየድ ናይ ዋንጫ ጸወታ ከም እትገጥም ተገሚታ’ላ።

4ይ ዙር ብረታኒ 2022

ሎሚ ኣቢሉ ኣብ ዝተዛዘመ 164.7ኪ.ሜ ዝሸፈነ 4ይ ዙር ብረታኒ፡ ወዲ 20 ሆላንዳዊ ተቐዳዳማይ ክለብ DSM ኡደን ካስፐር ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ፡፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ኩቤካ ኤፍሬም ገብርሂወት ኣብ ናይ ሎሚ ወድድር ብ 13 ካልኢትን ጥራይ ደንጉዩ መበል 72 ደረጃ ሒዙ ጸወትኡ ዛዚሙ። ወዲ 20 ዓመት ኤፍሬም ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ውድድር፡ ብቕዓቱ እንዳመሓየሸ ጽቡቅ ጊዜ የመዝግብ ኣሎ። ጽባሕ ዓርቢ 5ይ መድረኽ ዙር ብረታኒ፡ ብ193.2 ኪ.ሜ ዝሽፍን ቅድድም ቀጺሉ ክወዕል ኢዩ።