ሓይልታት ትግራይ ጠቕሊሎም ካብ ክልል ዓፋር ከምዝወጽኡ ኪባዛሕ ዝቐነየ መግለጺታት ፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ህወሓት ንማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋር ዝጥቀመሉ ዘሎ ስልቲ ምዃኑን ፡ ሚኒስተር መራኸቢታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ ገሊጹ።
እቲ ሚኒስተር ንሃገራዊ ማዕከን ዜና EPA ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ህወሓት ንምስሊ ፈደራላዊ መንግስቲ ንምድዋንን እቲ መንግስቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ይዕንቅጽ ከምዘሎ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምእማንን፡ ናይ ሓሶት ወረታት ይነዝሕ ምህላዉ ወቒሱ።
ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሓይልታቱ ካብ ዓፋር ጠቕሊሎም ከምዝወጽኡ ንኣህጉራዉያን ማዕከናት ዜና ኪሕብር ምጽንሑ ፣ እንተኾነ ሓይልታት ትግራይ ገና ኣብ ሓሙሽተ ወረዳታትን ክልተ ምምሕዳራት ከተማን ክልል ዓፋር ምህላዎም እዩ ሚኒስተር ለገሰ ዝገልጽ።
እቲ ሚኒስተር ወሲኹ ፣ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ካብ ዝእወጅ መግቢን መድሃኒትን ጽዒነን ዛጊት ናብ ትግራይ ካብ ዝኣተዋ መካዪን እተን 40 ከምዘይተመልሳ ከሲሱ ኣሎ።
ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣቶ ጌታቸዉ ረዳ ኣቐድም ኣቢሉ ፣ ሓይልታት ትግራይ ካብ ዝተረፈ ከባቢታት ክልል ዓፋር ጠቅሊሎም ከምዝወጽኡ ንሮይተርስ ምሕባሩ ዝዝከር ኮይኑ፣ ድሒሩ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዘካፍሎም ዘሎ ጽሑፋት እዉን ፣ እቲ ምስሓብ ናይ ሓቂን መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ኣጸቢቚ ዝፈልጦን ከምዝኾነ እዩ ዘተሓሳስብ።
ድሕሪ ፈላሚ መግለጺ ኣቶ ጌታቸዉ፣ ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ዓፋር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እዉን፣ ሓይልታት ዓፋር ንከባቢ ኣብዔላ እኳ እንተሓደግዎ ገና ካብ ካልኦት ወረዳታት ከምዘይወጽኡ ተዛሪቡ እዩ።
እዚ ቀጻሊ ምክሳስ ነቲ ድሮ ኣብ ሰንኮፍ ዘሎ ሰባኣዊ ምቊራጽ ተጻባኦ ኣዋዲቚ ናብ ሓድሽ ኲናትን ዝበኣሰ ሰብኣዊ ቅልዉላዉን ከይወስድ ይስጋእ።