ሓይልታት ትግራይ ሓድሽ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ንምፍናው ናብ ዶባዊ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ይተኣኻኸቡ ምህላዎም፡ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሓቢሩ።

እቲ ወሃቢ ቃል ብ29 ሚያዝያ ኣብ ዝሃቦ ክልተ-ሰሙናዊ ጋዜጣዊ ዋዕላ ፡ ሓይልታት ትግራይ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘምጸኦ ፍታሕ ዛጊት ከምዘየለ ብምምኽናይ ንሓድሽ ኲናት ይዳለዉ ከምዘለዉ እዩ ሓቢሩ ዘሎ።

መንግስቱ ፡ እኹል ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ህዝቢ ትግራይ ንኽበጽሕ ኣብ ዝሓለፈ 24 መጋቢት ተጻብኦ ናይ ምቊራጽ ስጒምቲ ድሕሪ ምዉሳዱ፡ ዘድሊ ረዲኤት በቢመድረኹ  ናብ ትግራይ ይበጽሕ ከምዘሎ ዝተጣበቐ ኣምባሳደር ዲና፣ ዛጊት መግቢ፡ መድሃኒትን ነዳዲን ዝጸዓና 146 መካይን ናብ ትግራይ ምብጻሐን ሓቢሩ።

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንዋሕዲ መድሃኒት ኣመልኪቱ ዝተጋነነ ወረ የራብሕ ከምዘሎ ዝሞገተ እቲ ወሃቢ ቃል፡ ዝበዝሐ ካብቲ ብረዲኤት ናብ ትግራይ ዝኣቱ ዘሎ መግቢ ናብ ነጋዶ ይሽየጥ፣ መድሃኒትን ሕክምናዊ መሳለጢታትን ድማ ኣብ ፋርማሲታት ይዕደግ ምህላዉ ከሲሱ ኣሎ።

ንምዉጻእ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልል ዓፋር ኣመልኪቱ’ዉን ኣምባሳደር ዲና፡ እቶም ሓይልታት እንትርፎ ካብ ከባቢታት ኢሪብቲ፡ በራሕሌን ኣብዔላን ካብ ካልኦት ወረዳታት እታ ክልል ከምዘይወጹ፣ ንኣብዔላን መቐለን ዘራኽብ መስመር መጓዓዝያ ተቘጻጺሮም ድማ በቲ መስመር ናብ ትግራይ ንዝኸይድ ሰብኣዊ ሓገዝ የተዓናቕፉ ምህላዎ ይዛረብ።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ወሲኹ፡ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ቅድመኲነታዊ ደብዳቤ ከምዝለኣኸ ብምዝኽካር፡ ኣብ ባይታ ብዘየለ ኩነታት ንማሕበርሰብ ዓለም እንዳደናገረ ጠለባቱ ስለዘይተማልኡ ከይፈተወ ሓድሽ ወተሃደራዊ ስጒምቲ ይወስድ ከምዘሎ ንምምሳል ይጓየ ምህላዉ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣቶ ጌታቸዉ ረዳ ሓይልታት ትግራይ ጠቕሊሎም ካብ ክልል ዓፋር ከምዝወጽኡ ምሕባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ድሒሩ ካብ ሰብ መዚ ክልል ዓፋርን ሚኒስትሪ መራኸቢታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ምስ ዘረባ ኣቶ ጌታቸዉ ዝጻረሩ መግለጺታት ከውጽኡ ቀኒዮም እዮም።

ጉጅለ ህግደፍ እዉን ኣብ’ዚ ዝሓልፈ ሳልስቲ ብመንገዲ ዘይወግዓዉያን መሓዉራት ዜናኡ ኣቢሉ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ሑመራን ወልቃዪትን ንዘለዉ ሓይልታት ኣምሓራ ንምጥቃዕ ይተኣኻኸቡ ከምዘለዉ ሓቢሩ እዩ።