በጋጣሚ’ቲ ጽባሕ 3 ግንቦት ዝኽበር ኣህጉራዊ መዓልቲ ነጻነት ፕረስ፣ ዝተፈላለዩ ተሓለቕቲ ሰብኣዉነት ብፍላይ ድማ ንነጻነት ፕረስን መሰል ጋዜጠኛታትን ዝጣበቚ ማሕበራት ፥ ጉጅለ ህግደፍ ኣሲርዎም ንዘሎ ኤርትራዉያን ጋዜጠኛታት ክፈትሕን ኣጊድዎ ንዘሎ ነጻነት ፕረስ ኪኸፍትን ይጽውዑ ኣለዉ።

ንቀይዲ-ሓበሬታ ዝመዝናን ዝከታተላን ኣህጉራዉያን ኣካላት ናብ መራሕቲ ህግደፍ ከምእ’ዉን ናብ ዝተፈላለያ መንግስታት ሃገራት ምዕራብ ኣብ ዝልእኽኦ ዘለዋ መጸዋዕታ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ነጻነታት ፕረስን ዘሎ ኣተሓሕዛ ትረቱ ከየዝለቐ ይቕጽል ከምዘሎ ብምውቃስ፡ ህግደፍ ነቶም ንልዕሊ 20 ዓመት ኣሲሩ ዘሳቕዮም ዘሎ ዓሰርተታት ጋዜጠኛታት ብዘይ  ቅድመ ኩነት ኪፈትሖም እየን ዝጠልባ ዘለዋ።

ብዘይ’ካዚ ፡ እተን ኣህጉራዉያን ትካላት ንኣስማት ናይቶም ኣብ 2001 ድሕሪኡን ተኣሲሮም ዛጊት ብዘይ ዝኾነ ፍርዳዊ መስርሕ ኣብ ማሕዩር ዘለዉ ኤርትራዉያን ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ብዝርዝር እንዳጠቐሳ፥ ጉጅለ ህግደፍ  ንመሓውራት ፕረስ ብምምቋሕ ሰብኣዊ መሰላትን ደሞክራስያዊ ዕቤትን ሃገርን ህዝቢን ኤርትራ ንምቕታል ዝኽተሎ ዘሎ ኣካይዳታት ኣብ ዝሓጸረ ደዉ ከብል ይጽዉዓ ይጽዉዓ ኣለዋ።

ኣብ’ቶም ከም ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ፣ ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት ፣ ፍሪዶም ሃውስ፣ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት፣ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ካልኦትን  ዓመታዊ ዘውጽእዎም ጸብጻባት፣ ብጉጅለ ህግደፍ እትምራሕ ዘላ ኤርትራ፡ ኣብ ምሕደራ ነጻ ፕረስን ኩሉዓይነታዊ መሰላት ደቂ-ሰብን ዝተሓተ ደረጃ ወኒና ትቕጽል ከምዘላ ኣይርሳዕን።

ኣብ ዊንድ-ሆክ ርእሰከተማ ናይ ናሚብያ ብ 1991 ኣብ ዝተቓንዐ መበል 26 ዋዕላ ዪነስኮ ፡ ሓያለ መትከላት ነጻ-ፕረስ ኣስፊሩን ብኣፍሪቃውያን ጋዜጠኛታት ተሰኒዱን ዝቐረበ እማመ፡  ኣብ 1993 ብሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተቐባልነት ድሕሪ ምርካቡ፣ እቲ ኣማመ ብኣዋጅ-ዊንድሆክ ተጸዊዑ 3 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ነጻ ፕረስ ኽትከዉን ከምእተወሰነ ይፍለጥ።

ሓደ ዓመት ቅድሚ ኤርትራ ነጻነታ ዝረኸበት ናሚብያ፡ ብምኽባር ነጻነት ፕረስ ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ኣብ ዓለም ድማ ንሓያሎ ሃገራት ምዕራብ መሪሓ ምስ ቀዳሞት 30 ሃገራት ተሰሪዓ እንዳኸደት፣ ጉጅለ ህግደፍ ዝመርሓ ዘሎ ኤርትራ ግን ብሰሜን ኮርያ’ኳ ተቐዲማ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መበል 180 ደረጃ ትረከብ ኣላ።