“90min” -ዝበለጹ ኣከፋፍልቲ ፕሪሚየርሊግ
ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ 90min ዝወጸ፡ ክሳብ ሕጂ ብዝተገብረ ጸወታታት፡ ዝብለጹ ኣከፋፈልቲ ፕሪሚየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ 2022፡
1. ኬቨን ዲብሩኒየ – ማንችስተር ሲቲ
2. ሮድሪ – ማንችስተር ሲቲ
3. በርናንዶ ሲልቫ – ማንችስተር ሲቲ
4. ቲያጎ – ሊቨርፑል
5. ዲክላን ራይዝ – ዌስትሃም
6. ማሶን ማውንት – ቼልሲ
7. ጄምስ ዋርድ ፕራውስ – ሳውዝሃምፕተን
8. ፋቢንዮ – ሊቨርፑል
9. ማርቲን ኦዴጋርድ – ኣርሰናል
10. ክርስቲያን ኤሪክሰን – ቤንፎርድ
ዝበለጹ ኣመዝገብቲ ሽቶታት ፕሪሚየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ 2021/22
ተ.ቁ ተጻዋታይ ጋንታ ሽቶታት ጸወታታት
1 ሞሃመድ ሳላሕ ሊቨርፑል 22 32
2 ሶን ሁንግ-ሚን ቶተንሃም ሆትስፐር 19 31
3 ክሪስቲያኖ ሮናልዶ ማንችስተር ዩናይትድ 17 27
4 ዲያጎ ጆታ ሊቨርፑል 15 31
5 ሳይዶ ማነ ሊቨርፑል 14 31
6 ሃሪ ኬን ቶተንሃም ሆትስፐር 13 33
7 ኢቫን ቶኒ ቤንፎርድ 12 29
8 ዊልፈርድ ዛሃ ክርስቲያል ፓላስ 12 27
9 ዲቡርንዬ ማንችስተር ሲቲ 11 26
10 ሪያድ ማህረዝ ማንችስተር ሲቲ 11 25
11 ባካያኮ ሳካ ኣርሴናል 11 34
12 ራሂም ስተርሊንግ ማንችስተር ሲቲ 10 27
13 ጃሚ ቫርዲ ሌሲስተር ሲቲ 10 20
14 ራፊና ሊድስ ዩናይትድ 10 29
15 ማሶን ማውንት ቼልሲ 10 30
ሓጸርቲ ዜናታት ስፖርት
“ገና ብዙሕ ይተርፈና’ሎ” ላምፓርድ
ኣሰልጣኒ ጋንታ ኤቨርተን ፍራንክ ላምፓርድ ድሕሪ ጋንትኡ ንቼልሲ 1 ብ 0 ምስዓራ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ ታሕተዋይ ፕሪሚየር ሊግ ንምውጻእ ገና ከቢድ ጻዕሪ ከምዘድልዮም ተዛሪቡ።
ኣርሴናል ደጊማ ልዕሊ ቶተንሃም ኮይና ተሰሪዓ
ትማሊ ንዌስትሃም 2 ብ 1 ዝሰዓረት ኣርሰናል፡ ንራብዓይ ደረጃ ንምሓዝ ኣብ ትገብሮ ጻዕሪ ንቶተንሃም በሊጻ 4ይቲ ኮይና ተሰሪዓ።
ሮናልዶ ናብ ሪያል ማድሪድ ክምለስ?
ብመሰረት ጽሑፍ “ዘ ሚረር” ኣጥቃዓይ እንግሊዛዊት ክለብ ማንችስተር ዩናይትድ ክርስቲያኖ ሮናልዶ፡ ናብ ናይ ቅድም ጋንትኡ ሪያል ማድሪድ ክምለስ ከምዝኽእል ተሓቢሩ። ሓላፊ ሪያል ማድሪድ ፍሎረንቲኖ ፔረዝ፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ-ስፖርት 2021/22 ሮናልዶ ነታ ኣብ ጽቡቕ ኣቃውማ ዘይትርከብ ዩናይትድ 23 ሽቶታት ስለዘመዝገበ፡ ደጊሙ ክጽውዖ ከምዝኽእ ኣሚቱ ክትብል “ዘሚረር” ወሲኻ ኣብ ገጻ ጽሒፋ
ካርሎ ኣንቸሎቲ
ካርሎ ኣንቸሎቲ ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ፡ እቲ ናይ መጀመሪያ ኣሰልጣኒ ኣብ ኤውሮጳ ዓበይቲ 5 ሊጋት፡ ተዓዋቲ ሊግ ዋንጫ ኮይኑ ሽሙ ኣብ ታሪኽ ኣስፊሩ። ላሊጋ ስፓኛ፡ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ፡ ሊግ-ዋን ፈረንሳ፡ ቡንደስሊጋ ጀርመኒ፡ ከምኡውን ሲሪኤ ጣልያን
8 ዋንጩ ኣብ 11 ዓመተ ስፖርት
ናይ ኩሉ ጊዜ ብሉጽ ተጻዋታይን፡ ብሉጽ ኣመዝጋቢ ሽቶን ባርሴሎና ዝኾነ ሊዮነል ሜሲ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ “ሕጂ ብዙሕ ኣይረኣየናን ይኸውን እምበር ንመጻኢ ግን ኣብ ውሽጢ 11 ዓመታት 8 ዋንጩ ምዕዋት ማዕረ ክንደይ ከቢድ ከምዝኾነ ይርደኣና ይኸውን ኢዩ” ኢሉ።
ብዝሒ ዋናጩ ዝዓተሩ ናይ ኹሉ ጊዜ ኣሰልጠንቲ ኩዕሶ እግሪ
1. ሰር ኣሌክስ ፈርጉሰን – 48 ዋንጩ
2. ሚራኪያ ሊሶኩ – 35 ዋንጩ
3. ፔፕ ጋርዲዮላ – 31 ዋንጩ
4. ቫለሪ ሎባኖቭስኪ 29 ዋንጩ
5. ጆክ ስቲን 26 ዋናጩ
6. ስኮላሪ 26 ዋናጩ
7. ኦታማር ሂዝፊልድ – 25 ዋናጩ
8. ጆዜ ሞሪኖ – 25 ዋንጩ