ብሪጣንያ ምስ ርዋንዳ ኣትያቶ ዘላ ዉዕል ንዋሕዚ ናይ’ቶም ንማያዊ መስመር መትረብ ኣንግሊዝ ሰጊሮም ናብ’ታ ሃገር ኪኣትዉ ዝምድቡ ስደተኛታት ዝቘጺ ከምዘይመስል ‘ኬርፎር-ካሌ’ ዝተባህለ ተሓላቒ ስደተኛታት ኣተሓሳሲቡ። እቲ ስብኣዊ ትካል ነዚ ዘተሓሳሰበ፣ ብሰንበት 1 ግንቦት ኣሃዱ ሓይሊ ባሕሪ ብሪጣንያ ንልዕሊ 250 ሰጋሮ ኣብ’ቲ ማያዊ መስመር ከምዝሓዘ ድሕሪ ምግላጹ እዩ።

እቲ ሓድሽ ዉዕል ወግዓዊ ካብ ዝኸዉን ፡ ኣብ ዝሓለፋ 20 መዓልታት በቲ ማያዊ መስመር ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ከብል ዝጸንሐ ዋሕዚ ስደተኛታት ፍጹም ደዉል ኢሉ ምቕናዩ ይፍለጥ።

ንመትረብ እንግሊዝ ኪሰግሩ ዝምድቡ ስደተኛታት ፣ ኣቐዲሞም ንህይወቶም ዝፈታተን ነዊሕ ጉዕዞ ስደት ዝሓለፉ ብምዃኖም በቲ ሓድሽ ስምምዕ ብሪጣንያን ርዋንዳን ዝርዕዱ ከምዘይመስሉ ዝሓበረ ኬርፎር-ካሌ፣ ሞት ርእዮም ዝመጽኡ ስደተኛታት ንምርዓድ ዝግበር ፈተነ ብዙሕ ክሰልጥ ከምዘይክእል ይዛረብ።

ኣብ ከባቢታት ካሌ ናይ ፈረንሳ ሕሱም ናብራ ኣንዳሕለፉ ነቲ ጉዕዞ ናይ ዝጽበዩ ስደተኛታት ኲነታትን ድሕነትን ዝከታተል እቲ ሰብኣዊ ትካል ፣ ሓድሽ ዉዕል ብሪጣንያን ሩዋንዳን ኪህልዎ ዝኽእል ፋይዳ ንምግምጋም ምስ ልዕሊ 60  ስደተኛታት ኣብ ዘካየዶም ዝርርባት ፣ ዝበዝሑ በቲ ሓድሽ ዉዕል ዝርዕዱ ከምዘይኮኑን፡ ዝመጸ ይምጻእ ካብ ሓሳቦም ኪባኾሩ ዘይምዃኖምን እዮም ሓቢሮም።

እዋናዊ መንግስቲ ብሪጣንያ ብዘይሕጊ ኪኣትዉ ንዝተሓዙ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ንምምላስ ዝኣተዎ ዉዕል ድሮ ከም ሕጊ ጸዲቚ ምህላዉ ዝሕብሩ ጸብጻባት፣ ንተግባራዉነቱን ዉድዓዉነቱን ብዝምልከት ግና ገዘፍቲ ብድሆታት ኣብ መስርዕ ምህላዎም የረድኡ።

እቲ ዉዕል ወግዓዊ ድሕሪ ምዃኑ፡ ጋዜጣ ዘ-ጋርድያን ንገለ ካብቶም ኣብ’ቲ እዋን ኣብ ማያዊ ገማግም ከንት ናይ ብሪጣንያ ዝተታሕዙ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፣ እቶም ስደተኛታት ካብ ንርዋንዳ ክምለሱ ነብሶም ባዕላቶም ከጥፍኡ ከምዝመርጹ እዩ ንቓላቶም መርኲስ ብምግባር ኣተሓሳሲቡ።

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ዓበይቲ ኣህጉራዉያን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ከይተረፉ ነቲ ዉዕል ከምዝኾነንዎ ይፍለጥ።

ሓድሽ ዉዕል ብሪጣንያን ርዋንዳን ፣ ብፍላይ ንኤርትራዉያንን ጎረባብቲ ርዋንዳ ካብ ዝኾና ሃገራት ዘምለጡን ስስደተኛታት ኣብ ከቢድ ጸገም ዘዉድቅ ምዃኑ ኣይርሳዕን።

መንግስቲ ብሪጣንያ ምስ’ታ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጸብጻቡ፣ ብጉዳይ ዝተራቀቚ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዝኸሰሳ ርዋንዳ ከምዚ ዓይነት ዉዕል ምኽታሙ ፣ ብስም ሰባኣዉነት ንዝጻወቶ ምስሉይነት ዘቃልዕ ከምዝኾነ እዉን ዝተፈላለዩ ወገናት ኪወቕሱ ጸኒሖም እዮም።