ወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬን፡ ኣብ ዋጋታት ኣቚሑን መሰረታዊ ጠለባት ህይወትን ዓለምና ኣኸቲልዎ ዘሎ ነዉጺን ናህሪን ክሳብ ዝመጽእ 2024 ኪቕጽል ምዃኑ ዓለማዊ ባንክ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት እመታዊ ጸብጻቡ ይሕብር ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ዝተመዝገበ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ኣብ ዉሽጢ ዝሓለፈ 50 ዓመት እቲ ዝለዓለ ምንባሩ ዘተሓሳሰበ ዓለማዊ ባንክ፣ ኣብ ዋጋታት መግቢ ዝርአ ዘሎ እዉን ካብ ዓመተ 2008 ጀሚሩ ኣብ ዘሎ ግዜያት እቲ ዝበኣሰ ከምዝኾነ ኣረዲኡ ኣሎ።

እቲ ኣህጉራዊ ፊናንሳዊ ትካል ንኩነታት ዕዳጋታት ዓለምና ኣመልኪቱ ኣብ ዘስፈሮ ገምጋምን እመታን፣ እዞም ኣብ ቀረባ ዓመታት ክምዝገቡ ዝጸንሑ ናህርታት ኣብዚ ግዜ እዚ ብኲናት ሩስያን ዩክሬንን ተዳፊኦም ንዝቕጽሉ ውሑዳት ዓመታት ኪቕጽሉ ከምዝኽእሉ እዩ ዘረድእ።

ኣብ ሰደዳት ነዳዲ፣ ተፈጥሮኣኣዊ ጋዝን ከሰልን ላዕለዋይ ኢድ ዘለዋ ሩስያ ምስ ካብ ቀንዲ ምንጪ ዕፉንን ስርናይን ዓለምና ዝኾነት ዩክሬን ተኣትዩ ዘሎ ኲናት ፣ ንዋጋ ነዳዲ  ዓለምና ብልዕሊ ዕጽፊ ንዋጋታት መግቢ ድማ ብልዕሊ 22 ሚኣታዊት ኪዛይድ ገይሩ ከምዘሎ ዘነጸረ ዓለማዊ ባንክ፣ እቲ ምዝያድ ዋጋታት ንዝመጽኡ ክልተ ዓመታት ኪቕጽል ምዃኑ እዩ ኣብሪሁ ዘሎ።

እዚ ተርእዮ፣ ብፍላይ ነተን ኣብ ምምዕባልን ኣብ ድኽነትን ዝርከባ ሃገራት ከቢድ ማሕበረ-ቊጠባዊን ሰባኣዊን  ቅልውላዉ ከኸትል ከምዝኽእል እዩ ተገሚቱ ዘሎ።ምስ ወራር ሩስያ ተተሓሒዙ ዝንህር ዘሎ ዋጋታት መግቢን ነዳዲን ኣብ ሃገራት ሳሕለ ሳሃራ ከበድቲ ናዕብታት ከለዓዕል ከምዝኽእል ዓለማዊ ባንክ ኣብ ዝሓልፈ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት ምጥንቃቚ ኣይርሳዕን።

ለብዒ ኮቪድ-19 ብዝፈጠሮ ቊጠባዊ ነዉጺ ሓለፋ ተጸልየን ዝርከባ ሃገራት ዞባ ሳሕል ፡ ኲናት ሩስያን ዩክሬንን ኣብኢስዎ ዘሎ ቊጠባዊ ምዝንባዕ ተወሳኺ ሽግር ፈጢሩለን ንዝሕንበብ ዘሎ ዋጋታት ሃለኽቲን ነዳዲን ንምርካብ ሓይሊ ባጤራአን ይዳኸም ከምዘሎ ዝሓበረ ዓለማዊ ባንክ ፡ ከምሳዕኔኑ መጠን ዝቕባበ እቲ ዞባ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 4.5 ሚእታዊት  ዝነበረ ኣብዚ ግዜ’ዚ ናብ 6.2  ዓሪጉ ከምዘሎ ኣነጺሩ እዩ።

ኲናት፡ ክሊማዊ ለዉጢ ፣ ክብሪ ዋጋታት ነዳዲን እኽሊን – ንርብዒ ካብ ህዝቢ ኣፍሪቃ ናብ ጥሜት ይመርሖ ምህላዉ ፣ ኣብ’ዚ ዓመት እዚ ጥራይ ኣስታት 346 ሚልዮን ኣፍሪቃዉያን ብሕጽረት መግቢ ይሽገሩ ከምዘለዉ እዉን ኣህጉራዊ ኮሚቴ ቀይሕ ኪሕብር ጸኒሑ ኣሎ።