ልዕሊ ዝኾነ ወገን ኣብ ጉንዲ እዝኒ ጉጅለ ህግደፍ ኮይኑ ንግህሰታትን በደላትን እቲ ጉጅለ ኪወቅስ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ፡ ሕጂ’ዉን ብምኽንያት ኣህጉራዊ መዓልቲ ነጻነት ፕረስ ፡ ንኣስማት እቶም ንዓሰርተታት ዓመታት በቲ ጉጅለ ተኣሲሮም ዝሳቐዩ ዘለዉ ኤርትራዉያን ጋዜጠኛታትን ጸሓፍቲን ብምጥቃስ፡ “ኣይረሳዕናኩም!” ኢሉ ኣሎ።

“ዳዊት ኢሳቕ፡ ስዩም ጸሃየ፡ ዳዊት ሃብተሚካኤል፡ ማቲዎስ ሃብተኣብ፡ ፍሰሃየ ዮሃንስ፡ ኣማኑኤል ኣስራት፡ ተመስገን ገብረየሱስ፡ ስዒድ ዓብደልቃዲር፡ ዮሱፍ መሓመድ ዓሊ፡ መድሃኔ ሃይለ ኣስማቶም ብዓዉታ እንዳጸዋዕና ፡ ገና ከምዘይረሳዕናዮም  ኣብ’ዛ  ኣህጉራዊ ዕለት ኪፈልጡልና ንደሊ” ዝበለ ኤምባሲ ኣመሪካ፡  ጉጅለ ህግደፍ ሓሳቦምን ርድኢቶምን ስለዝገለጹ ጥራይ ኣሲሩ ዘሳቕዮም ንዘሎ ጋዜጠኛታትን ካልኦትን ብቕልጡፍ ኪፈትሕ ጸዊዑ ።

እዛ ኣህጉራዊት ዕለት፣ ዝኾነ ጋዜጠኛ፡ ጸሓፊ፡ ምሁርን ካልእን ሓሳቡ ብነጻነት ናይ ምግላጽን ናይ ምምጓትን መሰል ከምዘለዎ ንመንግስታት ዓለም ንምዝኽካር እትበዓል ምዃና ዘዘኻከረ እቲ ኤምባሲ፡ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ኣካል ብኣህጉሩን ዓለምን ንዝቐንዑ መሰላትን ነጻነታትን ህዝብታት ካብ ምጒዕጻጽ ተኣልዩ ሓልፍነት ኪስምዖ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ንቀይዲ-ሓበሬታ ዝመዝናን ዝከታተላን ኣህጉራዉያን ኣካላት ናብ መራሕቲ ህግደፍ ከምእ’ዉን ናብ ዝተፈላለያ መንግስታት ሃገራት ምዕራብ ክልእከኦ ኣብ ዝቐነያ መጸዋዕታ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ነጻነታት ፕረስን ዘሎ ኣተሓሕዛ ትረቱ ከየዝለቐ ይቕጽል ከምዘሎ ብምውቃስ፡ ህግደፍ ነቶም ንልዕሊ 20 ዓመት ኣሲሩ ዘሳቕዮም ዘሎ ዓሰርተታት ጋዜጠኛታት ብዘይ ቅድመ ኩነት ኪፈትሖም እየን ሓቲተን።

ኣብ’ቶም ከም ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ፣ ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት ፣ ፍሪዶም ሃውስ፣ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት፣ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ካልኦትን  ዓመታዊ ዘውጽእዎም ጸብጻባት፣ ብጉጅለ ህግደፍ እትምራሕ ዘላ ኤርትራ፡ ኣብ ምሕደራ ነጻ ፕረስን ኩሉዓይነታዊ መሰላት ደቂ-ሰብን ዝተሓተ ደረጃ ወኒና ትቕጽል ከምዘላ ኣይርሳዕን።

ኣብ ዊንድ-ሆክ ርእሰከተማ ናይ ናሚብያ ብ 1991 ኣብ ዝተቓንዐ መበል 26 ዋዕላ ዪነስኮ ፡ ሓያለ መትከላት ነጻ-ፕረስ ኣስፊሩን ብኣፍሪቃውያን ጋዜጠኛታት ተሰኒዱን ዝቐረበ እማመ፡  ኣብ 1993 ብሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተቐባልነት ድሕሪ ምርካቡ፣ እቲ ኣማመ ብኣዋጅ-ዊንድሆክ ተጸዊዑ 3 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ነጻ ፕረስ ኽትከዉን ከምእተወሰነ ይፍለጥ።

ሓደ ዓመት ቅድሚ ኤርትራ ነጻነታ ዝረኸበት ናሚብያ፡ ብምኽባር ነጻነት ፕረስ ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ኣብ ዓለም ድማ ንሓያሎ ሃገራት ምዕራብ መሪሓ ምስ ቀዳሞት 30 ሃገራት ተሰሪዓ እንዳኸደት፣ ጉጅለ ህግደፍ ዝመርሓ ዘሎ ኤርትራ ግን ብሰሜን ኮርያ’ኳ ተቐዲማ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መበል 180 ደረጃ ትረከብ ኣላ።