ማዕከን ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ማለት ዩኒሴፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኣንጸላልዩ ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልዉላው ከየፋዂስ ገና ብሕጽረት ገንዘብ ይጻገም ምህላዉ ሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ህጹጽ ሓገዝ ንዝጽበዩ 9.9 ሚልዮን ሰባት ንኽደጋገፍ 351 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ከምዘድልዮ ሓቢሩ ዝጸንሐ ዩኒሴፍ፡ ካብ’ዚ እቲ 22 ሚእታዊት ጥራይ ኣብ ኢዱ ከምዝበጽሐ እዩ ገሊጹ ዘሎ።

ዩኒሴፍ ኣብ’ዚ ቅንያት ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ኣብ ኣርባዕተ ክልላት ኢትዮጵያ ብሰንኪ ደርቂን ኲናትን ቀረባ 10 ሚልዮን ሰባት ተጸልዮም ከምዘልዉ፡ ነዚኦም ንምሕጋዝ ድማ ገዚፍ ገንዘባዊ ሓገዝ ኪረጋገጸሉ እዩ ተማሕጺኑ።

ግዳያት እቲ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ኮይኖም ናይ ዘለዉ 4.45 ሚልዮን ህጻናት ኩነታት ንምምሕያሽ እቲ ተጠሊቡ ዘሎ ገንዘብ ብቕልጡፍ ኪእከብ ዘተሓሳስብ ዩኒሴፍ፡ በቲ ኣብ ኢዱ በጺሑ ዘሎ መጠን ገንዘብ ክሽፍኖ ዝኽእል ኣዝዩ ንኡስ ምዃኑ የረድእ።

ምርግጋጽ መሰረታዊ ጠለባት ህይወት፡ ሕክምናዊ መሳለጢታትን ኣገልግሎታት ትምህርቲን ቀንዲ ካብቶም ዩኒሴፍ በቲ ጠሊብዎ ዘሎ ገንዘብ ኪዓሞም መዲቡ ዘሎ እዩ።

እዋናዊ ጸብጻብ እቲ ትካል ወሲዂ፡ ኣብ ክልላት ኦሮሞ፡ ብሄረሰብን ደቡብ፡ ከምኡ’ዉን ሶማል ኣስታት 650,000 ኢትዮጵያዉያን ቈልዑ ብሰንኪ ደርቂም ጥሜትን ካብ ትምህርቲ ቦኺሮም ምህላዎም ጠቒሱ፡ እቲ ደርቂ ንኣስታት 2,000 ኣብያተ ትምህርቲ እታ ሃገር ኪዕጸዋ ኣገዲዱ ከምዘሎ ኣተሓሳሲቡ።

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ 40 ዓመት ተመዝጊቡ ብዘይፈልጥ ከቢድ ደርቂ ተጸሊዩ ምህላዉ ይፍለጥ።