ንምጽግጋዕ ህግደፍ ምስ ሩስያን ቻይናን ዝገምገመ ዝመስል መንግስቲ ኣመሪካ፣ ናብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከዝንቦም ዝጸንሐ ጸቕጥታት ከፋዂስ ይርአ ምህላዉ ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ሓቢሮም።

እቶም ምንጭታት ኣብ ሓበሬታኦም፣ ኣመሪካ ንሓይልታት ትግራይ ከተርእዮ ዝጸንሐት ዘይወግዓዊ ምድንጋጽ ፡ ንመንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኪንጸልን ኪጽቀጥን ከምዝገበረ፣ ከም ሳዕቤኑ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ጸግዒ ሩስያን ቻይናን ከም ኣማራጺ ንምውሳዱ ተቓሪቡ ምጽንሑ እዮም ዘረድኡ።

ታሪኻዊት መሓዝኣ ኽትከስር ድሌት ከምዘይብላ ካብ’ቲ ሓይልታት ትግራይ ካብ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ኪምለሱ ዝኣዘዘትሉ እዋን ዘረጋገጸት ኣመሪካ ፣ ድሒሮም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኪዛይዱ ንዝጸንሑ ዲፕሎማስያዊን ቊጠባዉን መቕጻዕትታት በብቅሩብ ከተዝልቘም ምጽናሓ እዉን እቶም ምንጭታት ሓቢሮም ኣለዉ።

ንኢትዮጵያ ዝተኣመሙ ክልተ ገዘፍቲ እገዳታት ንዘይተወሰነ እዋን ደስኪሎም ኪጸንሑ ዝሓረየት ኣመሪካ፣ ንይምሰል ዝወሃቡ ኩነኔታትን ተግሳጻትን እንተዘይኮይኑ፣ ኣብ’ዚ ዓመት ኣዚ ዝኾነ ስጒምቲ ክትወስድ ኣይተራእየትን ።

ኲናት ሩስያን ዩክሬንን ኣየነይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ናይ መን ጸግዒ ወሰደት ናብ ዝበሃለሉ ተኣፋፊ ዓለማዊ መድረኽ ተኣትዩ ምህላዉ ዘዘኻኸሩ እቶም ምንጭታት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሰር ናይቲ ምሉእ ጽላልን ደገፍን ሩስያ ክረክብ ዝሰርሕ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ኸይክተል ፡ ካብ ኣመሪካ ሓያለ ሕድገታት ይንጸፈሉ ከምዘሎ ሓቢሮም ኣለዉ።

እቶም ምንጭታት ኣብ መወዳእታ፣ ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኣ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝሃቦ፣ ሃገሩ ኣብ ሓንቲን ልኣላዊትን ኢትዮጵያ ዘለዋ እምነት ጸኒዑ ኪቕጽል ምዃኑ ዘስመረ መግለጺ፣ ኣመሪካ ወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኪትወስድ መሪጻ ምህላዋ ዘእንፍት ናይ ቀረባ ኣብነት ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቦም።