ዘዝተነግርዎ መልእኽታት፣ ከምኡ’ዉን ሃገራዉያንን ኣህጉራዉያንን በዓላት ዕለታዊ ኣብ መናድቕ ትዊተር ክሰቅል ዝዉዕል ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ፣ ነታ ክብሪን መሰልን ናይ’ቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘገልግሉ ዘለዉ ጋዜጠኛታት ሃገርና ከይተረፈ እተንጸባርቕ 3 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ነጻነት ፕረስ ዝኾነ ቃል ከየምሎቜ ሰጊርዋ።

ሚኒስተር ዜና ዝኣክል፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዓልቲ ነጻነት ፕረስ ዘረባ ጸሊኡ ኪዉዕል ምርኣይ ፣ መራሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ንነጻነታት ሓሳብካ ምግላጽን ፕረስን ዘለዎም ዘይተጸዋርነት ዘረጋግጽ ናይ ቀረባ ኣብነት ኮይኑ ኣሎ።

ብዛዕባ’ቶም ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ኣብ ማሕዩር ዝሳቐዩ ዘለዉ ጋዜጠኛታት ሃገርና ኣጸቢቚ ዝፈልጥ ሚኒስተር የማነ ፣ ጉጅለኡ ጉጅለ ህግደፍ ንነጻነት ፕረስ ኣመልኪቱ ኪዛረብ ይዂን ኪፈላሰፍ ዘኽእሎ ሞራላዊ ባይታ ከምዘየለ ስለዝኣመነ ይመስል ፡ ከም ልሙድ ነታ ክብርቲ ዕለት ክነጥራ ወሲኑ።

ብኣንጻሩ ፣ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ፡  ንኣስማት እቶም  ንዓሰርተታት ዓመታት ብህግደፍ ተኣሲሮም ዝሳቐዩ ዘለዉ ኤርትራዉያን ጋዜጠኛታትን ጸሓፍቲን ብምጥቃስ ፡ “ኣይረሳዕናኩምን” ብምባል ፣ ህግደፍ ነቶም ሓሳቦምን ርድኢቶምን ስለዝገለጹ ጥራይ ኣሲሩ ዘሳቕዮም ዘሎ ዜጋታት ቀልጢፉ ኪፈትሕ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኪገልጽ ዉዒሉ እዩ።

ኣብ’ቶም ከም ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ፡ ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት ፡ ፍሪዶም ሃውስ፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ካልኦትን  ዓመታዊ ዘውጽእዎም ጸብጻባት፣ ብጉጅለ ህግደፍ ትምራሕ ዘላ ኤርትራ፡ ኣብ ምሕደራ ነጻ ፕረስን ኩሉዓይነታዊ መሰላት ደቂ-ሰብን ዝተሓተ ደረጃ ወኒና ትቕጽል ከምዘላ ኣይርሳዕን።

ሓደ ዓመት ቅድሚ ኤርትራ ነጻነታ ዝረኸበት ናሚብያ፡ ብምኽባር ነጻነት ፕረስ ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ኣብ ዓለም ድማ ንሓያሎ ሃገራት ምዕራብ መሪሓ ምስ ቀዳሞት 25 ሃገራት ተሰሪዓ እንዳኸደት፣  ኤርትራ ግን ብሰሜን ኮርያ’ኳ ተቐዲማ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መበል 180 ደረጃ ትረከብ ኣላ።