ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝተዛዘመ፡ 195 ኪ.ሜ ርሕቀት ዝሸፈነ፡ ቀዳማይ መድረኽ ጂሮዲ ኢጣልያ 2022 ብዓወት ሆላንዳዊት ጋንታ Alpecin-Fenix ማቲዩ ቫንደር ፖል ተዛዚሙ። ኣዝዩ ሓያል ምውድዳር ዘርኣየ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኸኣ፡ 2ይ ደረጃ ሒዙ። ኣብ’ዚ ጸወታ ብዘርኣዮ ብቕዓት ኣዚዩ ልዑል ኣድናቘት ዘትረፈ ቢኒ፡ ቅድሚ ሕጂ ብናይ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ናይ ግራንድ ቱር ውድድር ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓቢ ዓወት ኣመዝጊቡ።
ቢኒ ኣብ ናይ ጽባሕ 2ይ መድረኽ ጂሮዲ ኢጣልያ፡ ብሉጽ መንእሰይ ተቐዳዳማይ(Best Young Rider) ተባሂሉ ጻዕዳ ማልያ ለቢሱ ውድድሩ ከካይድ ኢዩ። ኣብ’ዚ ጸወታ ካብቶም ልዑል ግምት ተዋሂብዎ ዝነበረ ኣውስትራሊያዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ (Lotto Sudal) ኣብ ጊዜ ቅጽበታዊ ውድድር መውደቕቲ ኣጋጢምዎ።
ትጽቢት ዝተገርበረሎም ተቐዳደምቲ ቅጽበታዊ ውድድር፡ ከም በዓል ማርክ ካቫንዲሽ(Quick-Step Alpha)፡ ካሌብ ኢዋን(Lotto-Soudal) ኒዞሎ ጂኮሞ፡ ኢሊያ ቪቫኒ (Ineos Grenadiers)፡ ኣርናውድ ዲማሬ (Groupama FDJ)፡ ፈርናንዶ ጋቪራ (UAE Team Emirates) ከምኡውን ኤርትራዊ ቢኒያም ግርማይ (Intermarché – Wanty – Gobert Matériaux)፡ ኣብ ምዝዛም እቲ ቅድድም ተሳቲፎም።
ማርክ ካቫንዲሽ(Quick-Step Alpha)፡ ኣብዚ ጂሮ’ዲ ኢጣልያ 159 ጊዜ፡ ኣርናውድ ዲማሬ (Groupama FDJ) 84 ጊዜ፡ ካሌብ ኢዋን (Lotto-Soudal) 57 ጊዜ ኣቐዲሞም ነዚ ውድድር ተዓዊቶሙሉ ኢዮም።
እቲ ቀዳማይ ናይ ግራንድ ቱር ጸወትኡ ዘካየደ ወዲ 22 ዓመት ሓያል ተቐዳዳማይ ተቐዳዳማይ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ፡ ነዞም ኣቐዲሞም ብዙሕ ተመኩሮን ዓወትን ዝተጎናጸፉ ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ፡ ከምዝብድሆም ኣቐዲሙ ትጽቢት ተነቢርሉ ኢዩ። ቢኒያም ግርማይ ኣብዚ ጂሮዲ ኢጣሊያ ብዝተጎናጸፎ ዓወት፡ ዓበይቲ ሚድታት ሽሙ እንዳወደሱ ይርከቡ ኣለው። ብራቮ ቢኒ!
ጽባሕ 2ይ መድረኽ ጂሮዲ ኢጣሊያ 9.2 ኪ.ሜ ዝሽፍን ኣብ ውሽጢ ከተማ ቡዳቤሽት ብዝካየድ ውድድር ክቕጽል ኢዩ።
ኤሪሳት ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ እንቋዕ ሓጎሰና ትብል!