ትካል ምክልኻል ገበናት ብሪጣንያ NCA ፣ ብናይ ቅድም ወተሃደራዊ ዉልቀ-መላኺ ናይጀርያ ሳኒ ኣባቻ ፡ ካብ ህዝቢ ተሰሪቑ ኣብ ባንክታት እንግሊዝ ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ 23 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ኣብ ቊጽጽር ከምዘዉዓለ ገሊጹ።

ፊናንሳዉያን ትካላት ብሪጣንያ መሕጸቢን መሕብኢን ገንዘብ ገበነኛታት  ከምዘይኮና ዝሓበረ እቲ ትካል፡ እቲ ኣብ ቊጽጽር ዉዒሉ ዘሎ ገንዘብ ህዝቢ ናይጀርያ፡ ኣቐዲሙ በቲ መራሒን ተሓባበርቱን ናብ ባንክታት ብሪጣንያ ዝተሰጋገረ ምንባሩ ኣረዲኡ።

ኣብ ብሪጣንያ ተታሒዙ ዘሎ ገንዘብ ህዝቢ ናይጀርያ ፣ መቐጸልታ ናይቲ ኣመሪካ ኣትርከበን ሓያለ ሃገራት ምዕራብ ፡ ጀነራል ሳኒ ኣባቻ ኣብ እዋን ስልጣኑ ሰሪቚ ናብ ባንክታት ስግር ባሕሪ ንዘሕለፎም ቢልዮናት ዶላራት ናብ ህዝቢ ናይጀርያ ንኽምለስ ዘካይደኦ ዘለዋ ጻዕሪ ከምዝኾነ እዩ እቲ ብሪጣንያዊ ትካል ምክልኻል ገበን ዝገልጽ።

ድሕሪ ናይ ከባቢ 7 ዓመታት ክትትል ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዘሎ እቲ ልዑል መጠን ገንዘብ ፣ ዓመታዊ ካብን ናብን ብሪጣንያ እንዳተንቀሳቐሰ ኣብ ዝተፈላለዩ ወፍርታት ክሕጸብ ምጽንሑ እዩ NCA ዘረድእ።

ጀነራል ሳኒ ኣባቻ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ኣብ መስከረም ናይ 1993 ስልጣን ምሓዙ ዝዝከር ኮይኑ፣ ክሳብ ኣብ 1998 ብሞት ካብ ስልጣን ዝፍለ ክሳብ 5 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ከምዝሰረቐ እዩ ዝንገር።

ኣብ 2014 መንግስቲ ኣመሪካ በቲ ናይጀርያዊ ጀነራልን መቕርቡን ኣብ ዝተኸፍቱ ሒሳባት ዝጸንሐ ክሳብ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ዝበጽሕ ገንዘብ ኣደስኪሉ ናብ መንግስቲ ናይጀርያ ከምዝመለሰ ኣይርሳዕን። ስዊዘርላንድ እዉን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ናብ መንግስቲ ናይጀርያ መሊሳ እያ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ምልካዊ ስርዓት መሪጾም ሃገራዊ ዕንወት ዘኸትሉ መራሕቲ፣ ኣብ ስልጣን እንዳሃለዉ ዝሰርቅዎ ቢልዮናት ዶላራት ገንዘብ ህዝቢ ፡ ካብ ስልጣን ምስተኣልዩ ወይ’ዉን ምስ ሞቱ ናብ ህዝቢ ክምለስ እዩ ዝርአ።