ንመበል 105 ጊዜ ዝካየድ ፡ ካብ ከተማ ቡዳቤሽት ናይ ሃንገሪ ተበጊሱ ኣብ ከተማ ቬሮና ናይ ጥልያን ዝወድእ ጂሮዲ ኢጣልያ ሎሚ ብወግዒ ክጅምር ኢዩ። እዚ ካብ ሎሚ ዓርቢ ክሳብ 29 ግንቦት 2022 ዝካየድ ውድድር፡ 21 መድረኻት ዝሓቑፍን ብጠቕላላ 3410.3 ኪ.ሜ ዝሽፍንን እዩ።
እዚ ሓደ ካብቶም ሰለስተ ዓበይቲ ብግራንድ ቱር ዝጽዉዑ ውድድራት፡ ሰለስተ ኤርትራውያን ፕሮፌሽናላት ተቐዳደምቲ ማለት መርሃዊ ቅዱስ፡ ቢኒያም ግርማይ፡ ከምኡውን ናትናኤል ተስፋጼን ሓዊስካ ካብ 22 ጋንታታት ዝተዋጽኡ ብጠቕላላ 176 ተቐዳደምቲ ከሳትፍ ኢዩ። ካብዘን 22 ጋንታት ኣብ ጂሮዲ ኢጣልያ ዝሳተፋ እተን 18 ናይ ዎርልድ ቱር ጋንታታት ክኾና ከለዋ፡ ሓንቲ ናይ ፕሮ ቲም(Alpecin-Fenix) ከምኡውን 3 ዕዱማት(Wild Card) ናይ ጥልያን ጋንታታት እየን።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ጂሮዲ ኢጣልያ፡ ወዲ 22 ዓመት ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢኒያም ግርማይ ዓቢ ቆላሕታ ረኺቡ ኣሎ። ናይ መድርኽ ጸወታታት ንምዕዋት ዕላማኣ ጌራ ዝኣተወት ክለብ ኢንተርማርሼ ዋንቲ፡ ንቢኒያም እቲ ቀንዲ ናይ ነጥቢ ተቐዳዳማይ ወይ’ከኣ ቮላቲስታ ጌራ ሓሪያቶ ኣላ።
ኣብ ናይ ጊዜ ወድድር (General Classification) ዝሳተፍ መራሒ ጋንታ ኢንተርማርሼ ዶሞኒኮ ፖዞቪቮ፡ ካብ’ቲ ኣብ 2019 ኣጋጢምዎ ዝነበረ ሓደጋ መኪና ተመሊሱ ይጻወት ስለዘሎ፡ ጋንታኡ ኣብ ናይ መድረኽ ዓወታት ልዕሊ ናይ ጊዜ ጸወታ ክተተኩር ጌርዋ ኣሎ። ስለዝኾነ ኣብተን ናይ ጎልጎል ጸወታት ቢንያምን ክዕወት ጋትኡ ከምትሰርሕ ኣፍሊጣ ኢላ።
ኣብ ናይ ሎሚ ፈላሚ ቅድድም ብሽክሌታ ጂሮዲ ኢጥሊያ፡ ካብ ሃንጋሪያዊት ከተማ ቡዳቤስት ተበጊሱ ኣብ ኣብ ግንቢ ታሪኻብዊት ከተማ ቪስጋርድ ክዛዘም እዩ። እዚ 195 ኪ.ሜ ዝሽፍን ናይ ሎሚ ቅድድም፡ ጎልጎል ዝበዝሖ፡ ኣሸገርቲ ኹርባታት ዘለዎን ኣብ መወዳእታ 5.6 ኪ.ሜ ንውሒን፡ 4.2% ዝዕቀን ዓቐበት ዘለዎ ውድድር ኢዩ። ኣብዚ ጸወታ ሃዲሞም ቅጽበታዊ ውድድር ክዕወቱ ዝኽእሉ ተቐዳደምቲ ክዕወቱ ትጽቢት ኣሎ። ቢንያን ሓደ ካብቶም ኣብዚ ናይ ሎሚ ጸወታ ክዕወት ልዑል ትጽቢት ዝተገበረሎም ተቐዳደምቲ ሓድ እዩ።