መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕህም ዘሎ ፖለቲካዊ ጽልዋኡ ንምድባስ፡ ናብ ክልተ ሱዳናት የቕልብ ምህላዉ ምንጭታት ካብ ዉሽጢ ሃገር ሓቢሮም።
እቲ መራሒ ፣ ናብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ብቐጻሊ ልኡኻት እንዳሰደደ ፡ ኣብ ምርግጋእን ምሽምጋልን ጸጥታዊ ቅልዉላው እተን ክልተ ሃገራት ኪጻወቶ ዝኽእል ተራ ብምስባኽ፡ ተሰማዕነቱ ከዕቢ ይጓየ ከምዘሎ እዩም እቶም ምንጭታት ዘረድኡ።
ጸጥታዊ ቅልዉላዉ ጎረባብቲ ሃገራት እንዳሃንደሰ፣ ነቶም ቅልውላዋት ምምሕዳር ዝብርሆ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ኣብ ዉሽጣዊ ጉዳያት ክልተ ሱዳናት ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ወገን ኢዱ ከእቱ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ጉጅለ ህግደፍ ፣ ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ማይቤታት በጃን ብንዓምርን ዘሎ ፍልልያት በብወቅቲ እንዳልዓለን፡ ወገን ኣንዳመረጸን ንዞባ ከሰላ ከምኡ’ውን ንዞባታት ቀይሕባሕርን ምብራቅን ሱዳን ኣብ ቀጻሊ ግጭት ከእቱ፣ ክሳብ ደቡባዊን ምዕራባዊን ሱዳን ንዘለዉ ቀቢላዊ ፍልልያት እንዳኣወሸጠ ድማ ኣብ ምብትታን እታ ሃገር መሪሕ ተራ ኪጻወት ምጽንሑ ዝግለጽ ኮይኑ፣ ሕጂ ጸጥታዊ ርግኣት ሱዳን ንምርግጋጽ ናይ ሸምጋሊ ሓላፍነት ኪሕዝ ምድላዩ ናይ ነገር ደሓን ከምዘይኮነ እቶም ምንጭታት ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።
ብህዝባዊ ተቛዉሞ ተናዊጹ ዘሎ እዋናዊ ወተሃደራዊ መሪሕነት ሱዳን፡ ኣብ ከቢድ ኣህጉራዊ ተነጽሎ ወዲቚ ከምዘሎ ዝገምገመ ህግደፍ፣ ነዚ ከም ዕድል ወሲዱ ጽልዋኡን ተሰማዕነቱን ኣብ ሱዳን ንምርግጋጽ ከይሰርሐ ከምዘይተርፍ ክግመት ጸኒሑ እዩ።
ህግደፍ ኣብ’ታ ካብ ሱዳን ንኽትንጸል መሪሕ ተራ ዝተጻወተላ ደቡብ ሱዳን ተኸሲቱ ዘሎ ኣብ ዝኾነ እዋን ናብ ሕንፍሽፍሽ ከምርሕ ዝኽእል ናይ ስልጣን ቊርቊስ ብምምዝማዝ እዉን፡ ተመሳሳሊ ተልእኾ ሰሪዑ ይጓየ ከምዘሎ ካብ ናይ’ዚ ሰሙን እዚ መገሻታት ልኡኻት ህግደፍ ናብ ጁባ ምርዳእ ዝከኣል እዩ።