ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ 9.2 ኪ.ሜ ርሕቐት ዝሽፍን ናይ ውልቂ ናይ ጊዜ ወድድር (ክሮኖ ሜትር) ካልኣይ መድረኽ ጂሮ’ዲ ኢጣልያ፡ ብሪጣኒያዊ ተቐዳዳማይ ሳይሞን ያተስ ብ 11 ደቒቕን 50 ካልኢትን ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ።
ትማሊ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ጂሮ’ዲ ኢጣልያ ቀዳማይ ኮይኑ ዝተዓወተ ሆላንዳዊ ማቲው ቫንደር ፖል ብ 11 ደቒቕን 53 ካልኢት 2ይ ደረጃ ክሕዝ’እንከሎ፡ ኣብ’ዚ መድረኽ ክዕወቱ ዓቢ ግምት ተዋሂብዎም ካብዝነበሩ ተጻወቲ ሓደ ሆላንዳዊ ቶም ዱምሊን ከኣ ብ11 ደቒቕን 55 ካልኢት 3ይ ደረጃ ሒዙ።
ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢኒያም ግርማይ ብወገኑ 42 ካልኢት ጥራይ ደንጉዩ ብ 12 ደቒቅን 32 ካልኢትን መበል 57 ደረጃ ሒዙ ጸወትኡ ዛዚሙ። ናትናኤል ተስፋጺዮን ብ 12 ደቒቕን 59 ካልኢትን መበል 130 ደረጃ ከምኡውን መርሃዊ ቅዱስ ብ 13 ደቒቕን 4 ካልኢትን መበል 146 ኮይኖም ጸወትኦም ዛዚሞም።
ቢኒ ቅድም ሕጂ ኣካይድዎም ዝነበረ ናይ ውልቂ ናይ ጊዜ ውድድር፡ ኣብ ዙር ሩዋንዳ 2020 2ይ፡ ኣብ 2021 ቱር ፖሉኝ መበል 109፡ ከምኡ’ውን ኣብ ፓሪስ-ኒስ ከኣ መበል 82 ደርጃ ሒዙ ጸወታኡ ምዝዛሙ ይዝከር።
ጽባሕ 3ይ መድረኽ ጂሮ’ዲ ኢጣልያ፡ ብናይ 201 ኪ.ሜ ዝሽፍን ናይ ጎልጎል ቅድድም ቀጺሉ ክውዕል ኢዩ።
ኢሪ-ሳት ንኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ደጊማ ጽቡቕ ዕድል ትምነ!