ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝተዛዘመ 201 ኪ.ሜ ዝሸፈነ 3ይ መድረኽ ጂሮ’ዲ ኢጣሊያ፡ ብዓወት ብሪጣኒያዊ ተቐዳዳማይ ካቫንዲሽ ተዛዚሙ። እዚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ሃንጋሪ ካብ ከተማ ካፖሳቭር ናብ ከተማ ባላቶንፉርድ ኣብ ሰጣሕ ጎልጎል ዝተኻየደ’ዚ ውድድር፡ ካቫንዲሽ ክዕወተሉ ዓቢ ግምተ ተዋሂብዎ ኔሩ።

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢኒያም ግርማይ ኣብ ዘካየዶ ሓያል ቅጽበታዊ ውድድር 4ይ ደረጃ ሒዙ ጸወትኡ ዛዚሙ። ብራቮ ቢኒ!
ኣብ ታሪኽ ጂሮዲ ኢጣሊያ፡ ብሪጣኒያዊ ማርክ ካቫንዲሽ 159 ጊዜ ተዓዊቲ መድረኽ ክኽውን ክኢሉ ኢዩ። እስፓኛዊ ኣሊያንድሮ ቫልቨርደ 133 ጊዜ፡ ፈረንሳኢ ዲማሬ ኣርናውድ 84 ጊዜ፡ ኣብ መኽፈቲ ጂሮዲ ኢጣልያ ዝወደቐ ኣውስትራሊያዊ ካሌብ ኢዋን 57፡ ከምኡውን ጣሊያናዊ ቪቼንዞ ንባሊ 53 ጊዜ ተዓዊቶሙሉ።

ድሕርቲ ዝተኻየደ 3 ይ መድረኽ ጂሮዲ ኢጣልያ፡ ሆላንዳዊ ማቲዩ ቫንደር ፖል ነታ ቢጫ ማልያ ክዕቅባ ክኢሉ ኢዩ። ቢኒያም ግርማይ ብናይ ነጥቢ 2ይ ደረጅኡ ዓቂብዋሎ።
ጂሮዲ’ኢጣልያ 2022 ጽባሕ የዕሪፉ ክዕውል ኢዩ። ድሕሪ ጽባሕ ሰሉስ ዕለት 10 ግንቦት፡ ካብ ጣልያናዊት ከተማ ኣቮላ ተበጊሱ ኣብ ከተማ ኢትና ዝዛዘም፡ 172 ኪ.ሜ ዝሽፍን 4ይ መድረኽ ጂሮ’ዲ ኢጣልያ ክካየድ ኢዩ።
ከምወትሩ ኤሪ-ሳት ንኤርትራዊያን ተቐዳደምቲ ጽቡቕ ዕድል ትምነ!