ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ሞንጎ ናይ መካናይዝድ ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ሓይልታት ትግራይን ሰዓታት ዘቚጸሩ ግጭታት ከምእተኻየዱ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ይሕብራ ኣለዋ።
ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢታት ራማን ባድመን ቀንዩ ዝበሃል ዘሎ ዉግእ ኣመልኪቱ ብኽልቲኦም ወገናት ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ እኳ እንተዘየለ፡ ከም ቢቢሲ ትግርኛ፡ መርበብ ሓበሬታ ሰቲት፡ ማእከል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ኤርትራዉያን ዝተባህለ ዘይወግዓዊ ማዕከን ሓበሬታ ህግደፍን ካልኦትን ንምንጭታቶም ጠቒሶም ኣብ ዘካፈልዎ ዘለዉ ሓበሬታ ግን ፡ እቲ ዉግእ ምንባሩ ክርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።
ቢቢሲ ትግርኛ ካብ ሓደ ወተሃደራዊ በዓል መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ረኺበዮ ዝበሎ ሓበሬታ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈቱ ፡ እቲ ንነዊሕ ዘይከደ ዉግእ ድማ ብምልዉዋጥ ከቢድ ብረት ዝተዓብለለ ምንባሩ ዘረድእ ኮይኑ፣ ማእከል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ኤርትራዉያን ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ግና፡ ሓይልታት ትግራይ ብዝሒ ሰብ ኣኽቲቶም ነምስመር ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ ክፍንጥሱ ኣብ ዝፈተንሉ ከቢድ ሰብኣዊ ክሳራ ተሰኪሞም ከምእተመልሱ እዩ ሓቢሩ።
ህግደፍ ኣብ ምዝዛም ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ብመንገዲ ሓንቲ ካብ ዘይወግዓውያን መሓዉራት ዜናኡ ኣብ ዘመሓላለፎ ሓበሬታ፣ ሓይልታት ትግራይ ንሓድሽ መጥቃዕቲ ኣሃዱታቶም ዳግማይ ይኣኻኽቡ ምህላዎም ምግላጹ ኣይርሳዕን።
ኣብ’ቲ ቅነ፣ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ እዉን፡ ንወተሃደራዊ ምቅርራባት ሓይልታት ትግራይ አምልኪቱ ተመሳሳሊ ሓበሬታ ሂቡ እዩ ።
ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ቅድመኩነታዊ ደብዳቤ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ሰሪቱ ዘሎ ዕጽዋ እንተቐጺሉ ከይፈተወ ሓድሽ ወተሃደራዊ ኣማራጺ ሃሰዉ ክብል ምዃኑ ከምዘጠንቀቐ ዝዝከር ኮይኑ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ እዋናዊ ኣቦመንበር ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ ድማ ብወገን ሓይልታት ምክልካል ኤርትራ መጥቃዕቲ ኽካየድ ምድላዋት ከምዘሎ እዩ ከሲሱ።