ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ነቲ ኣብ ዩክሬን ዘካይዶ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ሓይሉን ተፈራህነቱን ኣብ ዉሽጢ ሩስያ ንምዕባይ ይጥቀመሉ ምህላዉ መጽሄት ዘ ኡኮኖሚስት ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ፑቲን ፡ ሩስያ ከም ዓለማዊት ሓይሊ ኽትቅጽል ኣብ ዘኽእላ ወፍሪ ትደሚ ምህላዋ እንዳጎስገሰ፣ ንተቛወምቲ ፖለቲካዉያን ሓይልታትን ጸለውቲ ዉልቀሰባትን ኪጒዕጽጽን ክዳጉንን ይርአ ከምዘሎ ዝሓበረ ዘ-ኢኮኖሚስት ፣ በዚ ዘሎ ኣካይዳ ፡ እታ ሃገር ናብ ፍጹም ምልኪ ኪትሽመም ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ ኣገንዚቡ።
ቅድሚ ወራር ዩክሬን ፡ ብዋሕዲ ነጻነታት ሓሳብካ ምግላጽን ፖለቲካዊ ምርጭታታትን ኪግዳዕ ዝጸንሐ ህዝቢ ሩስያ ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ኣዋን – ዝርካቦም መሰላቱን ነጻነታቱን እዉን ይስእኖም ከምዘሎ ኣብ ጽሑፉ ዘስፈረ እቲ መጽሄት፣ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ዩክሬን ከምዝግቦ ሓሲቡ ዝነበረ ቅልጡፍ ዓወት እኳ እንተዘይሰለጠ፣ በቲ ኲናት ኣመኽኒዩ ኣብ ዉሽጢ ሩስያ ዘበርኾ ዘሎ ራዕዲ ግን ኣብ ምንዋሕ ስልጣኑ ኪሕግዞ ክምዝኽእል ግምታቱ ሂቡ ኣሎ።
ስልጣንን ሓይሊን ኪግብቱ ዝህቅኑ መራሕቲ፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ቀጻሊ ኲናት ብምኽታትን፡ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ብምትህልላኽን፡ ንህዝቦም ኣብ ተነጽሎ ኪነብር ገይሮም፣ ምልኮም ከረጋግጹ ከምዝረኣዩ እዩ ዝንገር።
ናይ ቀረባ ኣብነት ፣ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ንልዕሊ 25 ዓመታት ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ኪጋጨዉን ተጻይ ምዕራባዊ ዓለም ኪኸዉንን ብምምራጽ ፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሰላምን ርግኣትን ዓሲሉ ከይለምዕ ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ ይሃልኽ ኣሎ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኤርትራ ኣብ ቀጻሊ ሓደጋ ኣላ እንዳበለ ደሞክራስያዊ ገስጋስን መሰል ዜጋታትን ቀቲሉ ምህላዉ ኣይርሳዕን።