ብኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ሰለስተ ክልላት እታ ሃገር ንዝተመዛበሉ ዜጋታትን ስደተኛታትን ንምሕጋዝ ገንዘን ዉሒድዎ ኣብ ቀጻሊ ጸገም ምህላዉ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት UNHCR ሓቢሩ።

ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ብሰንኪ’ቲ ኣብ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ዘየቋረጸ ኲናት ሕድሕድ፡ ሰብኣዊን ጸጥታዊን ቅልዉላዉ ይቕጽል ምህላዉ ዘተሓሳሰበ UNHCR፡ ካብ ወርሒ ጥሪ ናይ’ዚ ዓመት ምስ መሻርኽቲ ኮይኑ ንልዕሊ 1.1 ሚልዮን ተመዛበልቲ ዜጋታት፡ ስደተኛታትን ተመለስቲን ኣብ ምግልጋል ይጽዕት ከምዘሎ እዩ ዘረድእ።

ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዝብእስ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ንምዝላቕ 205.4 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ጠሊቡ ዝነበረ UNHCR, ዛጊት 15 ሚእታዊት ካብኡ ማለት 31.2 ሚልዮን ዶላር ጥራይ ተቐቢሉ ምህላዉ እዩ ዝገልጽ።

ኪንዮ ምዉሓስ መሰረታዊ ቀረባት ህይወት፡ ኣብ ሰለስቲአን ክልላት ንዝተመዛበሉ ልዕሊ 142 ሽሕ ዜጋታትን ስደተኛታትን እዉን ናይ መጽለሊን ካልእን ዓይነታዊ ሓገዛት ምሃቡ ዝሓበረ እቲ ላዕለዋይ ተጸዋዒ፡ እቲ ሓገዝ ምስ ዝዛይድ ዘሎ ብዝሒ ተመዛበልቲን ተጸበይቲ ረድኤትን ዝመዓራረ ከምዘይኮነ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ሰለስቲአን ክልላት ንዝርከቡ ዝበዝሑ ኤርትራዉያን ዝኾኑ ብጠቕላላ 97,421 ስደተኛታት ሓለፋ ጸልዩ ምህላዉ ዘነጸረ UNHCR፡ እቲ ኲናት ጠንቂ ምምዝባል ልዕሊ 2.6 ሚልዮን ዜጋታት እታ ሃገር ኮይኑ ከምዘሎ የረድእ።

ዝሓለፈ ሰሙን እዉን ፣ ማዕከን ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ማለት ዩኒሴፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኣንጸላልዩ ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልዉላው ከየፋዂስ ገና ብሕጽረት ገንዘብ ይጻገም ምህላዉ ሓቢሩ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ህጹጽ ሓገዝ ንዝጽበዩ 4.45 ሚልዮን ህጻናት ዝርከብዎም ኣስታት 10 ሚልዮን ሰባት ንኽደጋገፍ 351 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ከምዘድልዮ ሓቢሩ ዝጸንሐ ዩኒሴፍ፡ ካብ’ዚ እቲ 22 ሚእታዊት ጥራይ ኣብ ኢዱ ከምዝበጽሐ እዩ ገሊጹ።