ብሪጣንያ ፡ ኣብ’ታ ናብ ርዋንዳ እትምለስ ቀዳመይቲ ጉጅለ ንዝመደበቶም ሓተቲ ዑቕባ፡ ንምምላሶም ብዝምልከት ኣብዚ ሰሙን እዚ ብወግዒ ክትሕብሮም ምዃና፡ ጸሓፊት ዉሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ፕሪቲ ፓተል ገሊጻ።
ብሪጣንያ ምስ ርዋንዳ ሓድሽ ዉዕል ድሕሪ ምኽታማ፡ ንመስርሕ ምምላስ እቶም ሓተቲ ዑቕባ ዝመርሕ ሰነድ ተግባራዊ ገይራ ከምዘላ ዘመልከተት እታ ጸሓፊት፣ ኣብ ፈለማ እግሪ ናብ ርዋንዳ ኽምለሱ ንዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ ፡ ብርግጽ ክምለሱ ምዃኖም ክንገሮም ከምዝኾነ እያ ኣረዲኣ።
እቲ መስርሕ ምምላስ ተግባራዊ ኪኸዉን ክሳብ ኣዋርሕ ኪወስድ ከምዝኽእል ዝሕብር ክፍሊ ዉሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ፣ ነቲ መስርሕ ንምድንጓይን ደዉ ንምባልን ብጠበቓታትን ተሓለቕቲ ስደተኛታት ብዝኾና ትካላትን ዝምስረቱ ክስታት ከምዝህልዉ ግን ኣይሓብአን።
መንግስቲ ብሪጣንያ ነቲ ከቢድ ኣህጉራዊ ተቓዉሞ ዝገጥሞ ዘሎ መደብ ክስርዞ ከምዘይኮነን፡ ነቲ ምምላስ ዘካዉኑ በረራታት ኣብ ዝስዕባ ቀረባ ኣዋርሕ ከምዝጅመሩን እዩ ዝገልጽ።
ነቲ ሓድሽ ዉዕል መሰረት ገይሩ ፡ ዝተረረ ምሕደራ ስደት ናብ ሕጊ’ታ ሃገር ጸንቢሩ ዘሎ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሶን፣ ፈለማ ነቶም ካብ ምጅማር እዚ ዓመት ንመትረብ ኣንግሊዝ ሰጊሮም ናብ ብሪጣንያ ኪኣትዉ ዝተታሕዙ ሓተቲ ዑቕባ ዒላማ ገይሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።
መንግስቲ ብሪጣንያ፡ እቲ ነቒልሉ ዘሎ ወፍሪ ኣብ ምዕንቃጽ ዋሕዚ ስደተኛታት ልዑል ተራ ከምዝህልዎ እዩ ዝኣምን። ንዋሕዚ ስደተኛታት ብመንገዲ መትረብ እንግሊዝ ዝከታተላ ተሓለቕቲ ስደተኛታት ዝኾና ትካላት ይገልጽኦ ከምዘለዋ ግን፣ እቲ ብሪጣንያ መሪጻቶ ዘላ ሜላ ነቲ ዋሕዚ ዝገትእ ከምዘይመስል እዩ።
እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሚያዝያ ዝተኣትወ ዉዕል ወግዓዊ ካብ ዝኸዉን ፡ ብመትረብ እንግሊዝ ዝካየድ ጉዕዞ ስደተኛታት ን20 መዓልታት እዃ ኣንተቋረጸ፡ ካብ 1 ግንቦት ጀሚሩ ግን ዓሰረታት ስደተኛታት በቲ ማያዊ መስመር ክስግሩን፡ ብኣሃዱታት ሓይሊ ባሕሪ ብሪጣንያ ክተሓዙን ይርአ ከምዘሎ እዩ ዝሕበር።
እቲ ዉዕል ኣብ ዝተኸተመሉ ቅንያት፣ ዘ-ጋርድያን ምስ ገለ ካብቶም ኣብ’ቲ እዋን ኣብ ማያዊ ገማግም ‘ከንት’ ናይ ብሪጣንያ ዝተታሕዙ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፣ እቶም ስደተኛታት ካብ ን ርዋንዳ ክምለሱ ነብሶም ባዕላቶም ከጥፍኡ ከምዝመርጹ ምግላጾም ሓቢሩ ነይሩ።
ሓድሽ ዉዕል ብሪጣንያን ርዋንዳን ፣ ብፍላይ ንኤርትራዉያንን፡ ጎረባብቲ ርዋንዳ ካብ ዝኾና ሃገራት ዘምለጡን ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ጸገም ዘዉድቅ እዩ።
መንግስቲ ብሪጣንያ ምስ’ታ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጸብጻቡ፣ ብጉዳይ ዝተራቀቚ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዝኸሰሳ ርዋንዳ ከምዚ ዓይነት ዉዕል ምኽታሙ ፣ ብስም ሰባኣዉነት ንዝጻወቶ ምስሉይነት ዘቃልዕ ከምዝኾነ እዉን ዝተፈላለዩ ወገናት ኪወቕሱ ጸኒሖም እዮም።