ኣብ ምሉእ ቊጽጽር ጉጅለ ህግደፍ ኣትዩ ዝነጥፍ ዘሎ መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤትክርስትያን ኤርትራ፣ ሕጂ’ዉን ንሓሙሽተ ኣቦታት መነኮሳት ገዳማት ኣቡነ ዮናስ ንማእሰርቲ ኣሕሊፉ ከምዝሃበ ምንጭታት ሓቢሮም።
እቶም መምህር ዑንቀብርሃን ተወልደ፡ ኣባ የማነ ብርሃን ፡ ኣባ ተክለ ብርሃን ፡ ኣባ ኣብርሃምን ኣባ ሃብተ ዮናስን ዝተባህሉ መነኮሳት ገዳማት ኣቡነ ዩናስ፣ መንበረ ፓትሪያርክ ኣብ ጉዳይ ነፍሳሄር ኣቡነ ኣንጠንዮስ ዝተኸተሎ ኣተሓሕዛን፡ 5ይ ፓትርያርክ ንሙሻን ዝፈጸሞ ጥሕሰትን ብምቁዋም ፡ ገዳሞም ምስ ኣካየድቲ እቲ መንበረ ንእዋኑ ሕብረት ከምዘይህልዋ ድሕሪ ምዝራቦም እዮም ተቐፊዶም ዘለዉ።
መነኮሳት ኣቦታት ናይ ሕብረት ገዳማት ኣቡነ ዮናስን ደብረ ጽጌን ፡ ደብረ ጽዮንን ዓዲ ውስኽን ፡ ደብረ ሳሕልን ሙራደ ቃልን፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ብዉሳኔታት ህግደፍ ዝምእዘን ዘሎ መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዘለዎም ኩነኔ ይዛይድ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ብፍላይ ኣቦታት መንኮሳት ገዳማት ኣቡነ ዮናስ፡ ምስቲ መንበረ ፓትርያርክ ቀጻሊ ይሰሓሓቡ ከምዘለዉ፣ ኣቐድም ኣቢሉ – ኣባ ከሰተ ብርሃን ዝተበሃሉ መነኮስ ተኣሲሮም ምንባሮም ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት ፡ ብተመሳሳሊ ምኽንያት ዝተኣስሩ ሽዱሽተ መነኮሳት ደብረ ቢዘን ከምዘለዉ እዉን ኣዘኻኺሮም።
ዝበዝሓ ገዳማትን፡ ሃገረ ስብከታትን ንእዋናዊ ኣካይዳታት መንበረ ፓትርያርክ ብተደጋጋሚ ይዂንኦን ይዉግዝኦን ምህላወን ይንገር።
ብ13 ሰነ 2021 ዝተቓንዐ ሙሻምን ምቕባእን ሓሙሻይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ፣ ናይ ዓመጽን ጥልመትን ተግባር ምንባሩ – መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ’ቲ እዋን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ወቒሱ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
ሓምሻይ ፓትሪያርክ ኮይኖም ዝተሸሙ ኣቡነ ቄርሎስ፡ ነቶም ኣብ’ቲ እዋን እቲ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ንከባቢ 16 ዓመታት ዝሳቐዩ ዝነበሩ መንፈሳዊ ብጻዮም ኣቡነ ኣንጦንዮስ ብምጥላም፡ መንበረ ስልጣን መንዚዖም ከምዘለዉ ዝወቐስ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፣ ኣቡነ ቄርሎስ ከምቶም ብተመሳሳሊ ኣገባብ መንበረ ስልጣን ዝመንዝዑ ራብዓይ ፓትሪያርክ ኣቡነ ድዮስቆሮስ ፡ ዘይሕጋዊን ዘይቀኖናዊን ስልጣን ዝወሰዱ ካልኣይ ኣቡን ኮይኖም ከምዘለዉ ሓቢሩ እዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ንጥንታዊ ኣካይዳታትን ልምድታትን ሃይማኖታዉያን ትካላት ሃገርና ጨውዩ፡ መንፈሳዊዉያን መራሕቲ ከዉርድ፡ ኪኣስርን ባዕሉ ኪሸይምን ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ምህላዉ ይፍለጥ።