ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝተዛዘመ 4ይ መድረኽ ጂሮ’ዲ ኢጣልያ፡ ጀርመናዊ ተቐዳዳማይ ካምና ሌናርድ ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ። ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ መበል 64 ደረጃ ሒዙ ጸወትኡ ዛዚሙ።

እዚ ፈላሚ ናይ ሎሚ ዓመት ጂሮ’ዲ ኢጣልያ ናይ ዓቐበት ቅድድም፡ 172 ኪ.ሜ ዝሸፈነን ኣብ መሬት ጥልያን ዞባ ሲሲሊ ዝተኻየደን ኢዩ ኔሩ፡፡ ኣብ ጎቦ ኢትና ዝተዛዘመ እዚ ውድድር፡ 9% ዝበጽሕ ዓቐበት ኔርዎ።

ካብቶም ዝተሳተፉ፡ 175 ተቐዳዳመቲ እቶም 103 (59%) ቅድሚ ሕጂ ንጎቦ ኢትና ደይቦሞ ይፈልጡ ኢዮም።ኣብዚ ናይ ሎሚ መድረኽ ውድድር፡ 92 ነጥቢ ንናይ ዓቐበት ነጥቢ ተዳልዩሎም ኔሩ። ካምና ቀዳማይ ኮይኑ ስለዝተዓወተ 40 ነጥቢ ክረክብ ክኢሉ ኣሎ። ኣብ 136.5 ኪ.ሜ ዝተገብረ ናይ ነጥቢ ቅጽበታዊ ውድድር ፈረንሳዊ ካልሜጃን ሊላን ቀዳምይ ኮይኑ 12 ነጥቢ ሓፊሱ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ጂሮ’ዲ ኢጣልያ፡ ካብተን 5 ናይ ጎቦ ውድድራት፡ እዛ ናይ ሎሚ መዓልቲ 4ይ መድረኽ፡ 2ይ ዝነውሐ (23.3 ኪ.ሜ) ዓቐበት ዝነበራ ኢያ ኔራ።

ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተገብረ ቅድድም ጂሮዲ ኢጣልያ፡ ብደረጃ ሃገር ኤርትራ 2 ጊዜ ተዓዋቲት ቀዳሞት ዓሰርተ ተጻወቲ ስለ ዝወጸት (ክልቲኡ ብመንገዲ ቢኒያም ግርማይ)፡ ድሕሪ ሆላንድ(7ጊዜ)፡ ኢጣልያ(6ጊዜ)፡ ብሪጣንያ(3 ጊዜ) ኣብ 4ይቲ ደረጃ ተሰሪዓ።

ኣብ ናይ ጊዜ ውድድር፡ እስፓኛዊ ተቐዳዳማይ ሎፔዝ ጃን ፔድሮ 46 ተርታ ኣማሓይሹ ቀዳማይ ኮይኑ ንቢጫ ማልያ ተረኪቡዋ ኣሎ። ሎሚ መዓልቲ መድረኽ ዝተዓወተ ካምና ሌናርድ ኸኣ ካልኣይ ኮይኑ’ሎ። ነዚ ጂሮዲ ኢጣሊያ ካብቶም ክዕወቱ ተባሂሎም ዓቢ ግምት ዝተዋህቦም ሓደ ብሪጣኒያዊ ያተስ ብ 1 ደቒቅን 42 ካልኢትን ደንጉዩ 4 ደረጃ ሒዙ’ሎ።

ኣብ ናይ ዓቐበት ወድድር፡ ካምና ብ 40 ነጥቢ ቀዳማይ፡ ኣብ ናይ ጊዜ ውድድር ን ቀዳማይ ቦታ ዝተረካባ እስፓኛዊ ሎፔዝ ፔድሮ ኸኣ ብ 18 ነጥቢ 2ይ ደረጃ ሒዙ ኣሎ።

ኣብ ናይ ቅጽበታዊ ውድድር ዝተራእየ ለውጢ የለን፡ ቀዳማይ ማቲዩ ቫንደር ፖል ብ 62 ነጥቢ ፡ ኤርትራዊ ቢኒያም ግርማይ ብ 55 ነጥቢ ካልኣይ ደረጃ ሒዞም ኣለዉ። በዚ መሰረት ማቲዩ ቢጫ ማልያ ስለ ዝተመንጠለ፡ ቢኒ ነታ ናይ ነጥቢ ማልያ ን ማቲዩ ቫንደር ፖል ከረክቦ ኢዩ።

ጽባሕ ዕለት 11 ግንቦት፡ 5ይ መድረኽ ጂሮዲ ኢጣልያ 2022፡ 174 ኪ.ሜ ርሕቐት ዝሽፍን ኣብ ማእከል ተሪር ዓቐብ ብዘለዎ ወድድር ቀጺሉ ክውዕል ኢዩ።
ኤሪሳት ንኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ጽቡቕ ዕድል ትምነ!